እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብነታዊት #7፡ 'ስራሕ ዝህቡኒ ቃሎም ምስ ዓጸፉ ጫማ ክጸርግ ጀሚረ'
እታ ኣብ ግዝኣት ባልቲክ ትርከብ ላቲቭያ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብመንግስቲ ናዚ ናይ ጀርመንን ሕብረት ሶቭየትን ተወሪራ ዝነበረት ሃገር ኢያ።
ስደተኛ ኮይና ዝጸንሐትት ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ ድማ ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነይራ።
ጓል ሸውዓተ ዓመት እንከላ ምስ ወለዳ ኮይና ናብ ስደት ዘምረሐት ቨይራ ቪካ-ፍሪበርጋ፡ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ስደት ምንባር ድማ ናብ መበቆል ሃገራ፡ ላቲቭያ ብምምላስ ብ1999 ፕረዚደንት ንምዃን በቒዓ።
ሕጂ ጓል 82 ዓመት ክንሳ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ኣብ ጉዳይ ሓርነት ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን እትነጥፍ ኣደ ኮይና፤ መርኣያ ካብ ባዶ ተበጊሰን ዕውታት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ተባሂላ ትጥቀስ።
ናይዚ ሰሙን ኣብነታዊት ጓልኣንስተይቲ'ውን፡ ብዙሓት "ኣዴኽስ ከማኺ ዝበላ ትሸዓተ ትውለድ" ኢሎም ዝምርቑዋ መርኣያ ጽንዓት እያ።
ትዕግስቲ ደሳለኝ እብሃል። ኣብ ከተማ ባህርዳር ተወሊደ ዓብየ።
ስድራይ ትሑት እቶት ስለ ዝነበሮም፡ ካብ ድክነት ንምውጻእን ስድራይ ንምሕጋዝን ብዙሕ ዓይነት ስራሕ'የ ሰሪሐ።
ናብራይ ንምምሕያሽ፡ ጫማ ጸሪገ፣ ተሓጋጋዚት ኣውቲስታ [ፎተሪኖ] ኮይነ ሰሪሐ'የ፤ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተይ ዝረኸብኩዎ ስራሕ ንምስራሕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ከይደ እየ።
ጌና ቆልዓ ከለኹ ኣትሒዘ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝሰርሑዎ ስራሕ እናሰራሕኩ'የ ዓብየ። ናይ 9ይ ክፍሊ ትምህርተይ ኣቋሪጸ ተሓጋጋዚት መራሒ መከና ኣውቲስታ ኮይነ ንሰለስተ ዓመት ሰሪሐ።
ካብዚ ስራሕ ብዝረኸክዎ ገንዘብ፡ ስድራይ ሓጊዘ ከመሓድሮም ክኢለ፤ ሓፍተይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዳ በቒዐ።
ተሓጋጋዚት መራሒ መኪና ኮይነ ኣብ ዝሰራሕኩሉ ግዘ፡ መሓዙተይ ዓው ኢለን ንምዝራብ ዝፈርሓሉ፣ ካብ ገዛ ንምውጻእ ዝስከፋሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ናተይ ኣብዚ ስራሕ ምእታው ዕንቅጽና ተገይሩ ይቑጸር ነይሩ።
ንዓይ ግን፡ መዓልታዊ ህወተይ ዝዕንገለሉ፣ መኣዲ ወላዲተይ ዝመልአሉን ሓፍተይ ዘምሃርኩሉን ስራሕ'ዩ ነይሩ።
ተሓጋጋዚት መራሒ መኪና ኮይነ ንሰለስተ ዓመት እናሰራሕኩ፡ ሳልሳይ መዘወሪ ፍቓድ ኣውጺአ።
ኣብዚ ግዘ፡ "ጥራሕ ንስኺ መዘወሪ ፍቓድ ሓዚ እምበር ብዛዕባ ስራሕ ከይትጭነቒ" ኢሎም ቃል ዝኣትውለይ ብዙሓት ነይሮም። መዘወሪ ፍቓደይ ምስ ሓዝኩ ግን ቃሎም ዓጺፎም።
ወረቐተይ ኣርእየ ስራሕ ዝሓተትኩዎም ሰባት'ውን ደፊሮም መኪንኦም ክህቡኒ ኣይክኣሉን። እቲ ምኽንያት፡ ጓልኣንስተይቲ ብምዃነይ እምነት ከሕድሩለይ ዘይምክኣሎም'ዩ።
በዚ ምኽንያት ተደጊደ ድማ፡ ጫማ ክጸርግ ጀሚረ። እዚ ስራሕ እናሰራሕኩ፡ ሓደ ናይ ኮንስትራክሽን (ህንጻ) ትካል፡ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ከም ዝደሊ ዝገልጽ ምልክታ ኣውጺኡ ምስ ርኣኹ፡ ኣብኡ ብምኻድ ስራሕ ክረክብ ክኢለ።
ኣቑሑ ህንጻ እናተሰከምኹ ምስራሕ ንዓይ ኣዝዩ ከቢድ ስራሕ ነይሩ። ምስ ደቂተባዕትዮ ተዳፊአ፣ ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል ስራሕ ከይበልኩ ስለ ዝዓበኹ ግን እዚ ንምጽዋር ኣይተጸገምኩን።
ጸኒሑ እቲ ትካል፤ ዘዋሪ መኪና ከም ዝደሊ ዝገልጽ ናይ ስራሕ ምልክታ ጠቒዑ። ሽዑ ተወዳዲረ ተቖጺረ። ተቖጺረ እናሰራሕኹ ድማ ራብዓይ መዘወሪ ፍቓድ ኣውጺአ።
ድሕሪኡ ናይ በረኻ መኪና ክዝውር ጀሚረ።
እቲ ዓብዪ ማሕለኻ- ርእሰ ተኣማንነት ምስኣን እዩ
ህይወት ኣብ ዙርያይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክርኢ እንከለኹ፡ ሸቶአን ንምውቓዕ ዝኾልፈን ነገር ርእሰ-ተኣማንነት ምዃኑ'የ ዝርዳእ።
ናይ ባዕልተን ድልየታት ከይስዕባ፣ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተዓቢጠን ብምትራፍ፡ ውጽኢታውያን ከይኾና ይተርፋ። እዚ ዝገብረን ምኽንያት ድማ ርእሰ ተኣማንነት ምስኣን እዩ።
ጓል-ኣንስተይቲ ምዃን ጥራሕ ዘጉድሎ ነገር የለን። ማዕረ እቲ ኻልእ ሕብረተሰብ፡ ወጺእና ክንኣቱ፣ ሰሪሕና ክንዓብን ርእስናን ስድራናን ክነመሓድር ንኽእል ኢና።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቖልዑትን'የ። ተወሳኺ ስሩዕ ስርሐይ፡ ኣደ'ውን ስለ ዝኾንኩ ካባይ ትጽቢት ዝግበር ካልእ ሓላፍነት ኣለኒ።
ወትሩ ወጋሕታ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ዝልእኾም ደቀይ መግቢ ከዳሉን ከልብሶም ኣለኒ። ካብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ ድማ፡ ከምቲ ዝተለመደ ናይ ገዛ ስራሕ ናተይ እጃም'ዩ።
ድርብ ሓላፍነት ወላ እንተኾነ ንኩሉ በዲሄ ክኸይድ ስለዘለኒ፡ ማሕበራዊ ውልቃዊ ህይወተይን ኣጠዓዒመ ክኸይድ ይጽዕር'የ።
ካብቲ ዝተወለድኩሉ ከባቢ ወጺአ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዘዋዊረ ሰሪሐ'የ።
ጾታይ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ተንቀሳቒሰ ከይሰርሕ ኣይዓግተንን እዩ። ኣብ ግድባት ጽዓት ጣና በለስን ግልገል ግቤ ሰለስተን ሰሪሐ'የ።
ብዱር ቤቴ ምስ ሱዳን ኣብ ዘራኽብ መገዲ'ውን ሰሪሐ። ኣብዞም ከባቢታት፡ ዘዋሪት ናይ በረኻ መኪናን ፒክ ኣፕን (ንእሽቶ መኪና) ኮይነ ይሰርሕ ነይረ።
ኣብ ከተማ ሃዋሳ፡ መራሒት ኣውቶብስ ኮይነ ኣርባዕተ ዓመት፣ ኣብ ኣዳማ ድማ ንሓደ ዓመት ሰሪሐ።
ብዙሕ ሰብ ብስርሐይ ይንእደኒ እዩ፤ ንዓይ ርእየን ፍቓድ መዘወሪ መኪና ከውጽኣ ዝደልያን ከውጽኣ ዝጀመራን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሓት ኣለዋ።
ሕጂ ምሳእ ትኬት ኣብ ምቑራጽ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ንርእሰን ከዕብያ ይምዕደን'የን።
ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብፍላይ ድመ ኣብ ከተማ፡ ደቂ-አንስትዮ ዘወርቲ መኪና እንተበዚሐን፡ ንድሕነት ተጠቀምትን መንገድን ጽቡቕ'ዩ በሃላይ እየ።
ኣነ፡ ሓደጋ ኣውሪደ ተኸሲሰ ኣይፈልጥን። ደቂ ኣንስትዮ ተጠንቂቐን እየን ዝዝውራ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ንመጻኢ ዓቕመይ ብዝግባእ ክዓቢ፡ ኣብ ምንዝርና ዝተዋፈራ ፋይቶት ብምእካብን ስልጠና ኣብ ብምሃብን ተዋፊረ፡ ካብቲ ስራሕ ክወጽኣ ምግባር እንተዝኽእል ኢለ እየ ዝሓልም።