"ቖልዓ ሓዚለ ትምህርቲ ክምዝገብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከይደ"፡ ዶክተር ኑርዓይኒ መሓመድ

ዝተደራረቡ ሓላፍነታት ተሰኪማ እትኸይድ ብምዃና "ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ ነገር'ያ" ዝብል ኣምር ክገልጻ ዝኽእል ጠንካራ ሰብ'ያ።

ኣደ፣ ኣላይት ስድራ፣ ኣገልጋሊት ህዝቢ፣ ተመሃሪትን ሰራሕተኛን እያ። ኩሎም ኣብ ህይወታ 'ክፍጽሞም ኣለኒ' ኢላ እትኣምነሎም ምስ ግዜ ተጓይያ ቦታ ቦትኦም ክሕዙ ትገብር።

ዶክተር ኑርዓይኒ መሓመድ ሓጎስ፡ በዓልቲ ሞያ ጠቕላላ ሕክምና፣ ኣደን በዓልቲ ሓዳርን'ያ።

ቖልዓ ሸሞንተ ወርሒ ሒዛ ዝጀመረቶ ትምህርቲ ሕክምና ካልእ ካብ ዝውለድ 22 መዓልቲ ዝኾኖ ቖልዓ ሒዛ 24 ነሓሰ 2020 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተመሪቓ።

ነቲ ተሸላሚት ወርቂ ሜዳሊያ ዝገበራ ዓወት ንምርካብ ዝሓለፈቶም ፈተንቲ እዋናትን ሚስጢር ዓወታ ዝኾነ ጥንካርኣን ዝምልከት ድማ ኣካፊላትና፤ ከምዚ ዝስዕብ ድማ ተዘንትዎ።

ዶክተር ኑርዓይኒ መሓመድ ሓጎስ ኑርሑሴን ይብሃል፤ ተመራቒት ጠቕላላ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም'የ።

ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ወርዒ ለኸ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ፍሉይ ሽሙ እንዳ'ባ ጻሕማ ዝበሃል ከባቢ ተወሊደ፤ ኣብኡ'ውን ተማሂረ።

ክልተ ብትምህርተን ንፉዓት ዝነበራ ኣሕዋተይ ኣብ ሞንጎ ስለ ዝተመርዓዋ ትምህርቲ ኣቋሪጸን። ኣነ ግን መምሃራነይ ንወለደይ ጸቕጢ ይገብሩሎም ስለ ዝነበሩ ክመሃር ክኢለ።

ካብ ቀደሙ፡ ናይ ደረጃ ተመሃሪት እየ፤ ተመሃሪት 12 ክፍሊ ኮይነ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ እንተኣምጻእኹ'ውን ብዝተፈላለዩ ተጓንፎታት ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዘእቱ ነጥቢ ኣየምጻእኩን።

በዚ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ምርጫይ እንተዘይኮነ'ኳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ብ'ሄልዝ ሳይንስ' ቀዳማይ ዲግሪ ክመሃር ተመዲበ።

ሕክምና ዓይኒ (ኦፕቶሜትሪ) ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ኣጽኒዐ ብ2003 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጽቡቕ ነጥቢ ሒዘ ተመሪቐ።

ናብ ትግራይ ምስ መጻእኹ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ኲሓ ሕክምና ዓይኒ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ክሰርሕ እንከለኹ፡ ተገልገልቲ ዘመስግኑኒ በዓልቲ ሞያ ኮይነ ኣሕሊፈዮ።

'ቀዳማይ ምርጫይ ድሓር'የ ረኺበዮ'

ኣብ መቐለ ኲሓ ሕክምና ዓይኒ ክሰርሕ ከለኹ በዓልቲ ሓዳር ኮይነ ክልተ ቖልዑ ወሊደ ነይረ።

ናይ መጀመርታ ቖልዓ ምስ ወለድኩ፡ እቲ ወትሩ ዝምነዮ ዝነበርኩ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ተመሊሰ ክኣትዎ ይሓስብ ነይረ።

ሃንደበት ነፍሰ ጾር ምዃነይ ምስ ፈለጥኩ ተስፋ ቖሪጸ ገዲፈዮ ነይረ። ግን ድማ በዓል ሓዳረይ ዓቕሚ ከም ዘለኒ ስለ ዝኣምን፡ 'ኣይፋል፡ ትኽእሊ ኢኺ፤ ኪዲ ተመሃሪ' ኢሉ ደፋፊኡ ተስፋ ይህበኒ።

ስለዚ፡ ጠቕላላ ሕክምና ንክትመሃር ኣብ ዝገብር 'ኢኖቬቲቭ ሜዲካል ኤጁኬሽን' ዝበሃል ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ኣመልኪተ።

ብደረጃ ሃገር ተፈቲነ ጽቡቕ ነጥቢ ስለ ዘምጻእኹ፡ ብ2007 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ክመሃር ዕድል ረኺበ።

እቲ ዝገርም፡ ክምዝገብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ክመጽእ ከለኹ ወደይ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን [2ይ ውላደይ] ስለ ዝነበረ፡ ሓዚለዮ እየ ኸይደ።

ካብ መቐለ ናብ ኣክሱም ክኸይድ ከለኹ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ኣክሱም ሓንቲ ዝፈልጣ ሰብ ስለ ዝነበረት፡ ንሳ ክትሕዘለይ እሞ ከይደ ክምዝገብ እዩ ነይሩ ሓሳበይ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣይጥዓማን። ዝነበረኒ ኣማራጺ ሓዚለዮ ምኻድ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኸድኩ "ናበይ ደሊኺ?" ኢሎምኒ።

"ትምህርቲ ክምዝገብ" ኢለዮም።

"ኣይኸውንን፤ ቐልዓ ሓዚልክስ ክትመሃሪ? በሊ ኺዲ ኣቐሚጥክዮ ምኢ" ኢሎም ምእታው ከልኪሎምኒ።

ድሓር፡ "ካብ ርሑቕ እየ መጺአ፣ ሰብ የብለይን ኣበይ ክገድፎ" ኢለብክንደይ ጉድ ኣትየ ተመዝጊበ፤ ከቢድ ነይሩ።

ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ከለኹ፡ ወደይ ናይ 10 ወርሒ ህጻን ኮይኑ ምስ በዓል ቤተይ ኣብ መቐለ ገዲፈዮ ናብ ኣክሱም መጺአ።

በዓል ገዛይ'ውን ኣብ ሕክምና ተንከፍ ዓውዲ ስለ ዘሎ ቖልዓ ኣብ ምሕብሓብ ንፉዕ'ዩ፤ ንደቀይ ኩሉ ነገር . . . መግቦም ኣዳልዩ ብኣግባቡ'ዩ ዝከናኸኖም።

ግን ድማ ከብዲ ኣደ ቦቕቧቕ'ዩሞ፡ ደቀይ ክሓሙ ከለኹ ውሽጠይ ይነግረኒ፣ ይጭነቕን ይናፍቕን ከኣ። ወትሩ ኣብ ክልተ ቅነ ሓደ ግዜ ናብ መቐለ ይመላለስ ነይረ፤ ዓርቢ ምሸት ከይደ ሰንበት ይምለስ።

እቲ ዝንበብ ኣብ ካልእ ግዜ ወሳሲኸ ኣንቢበ፣ ናይ መጓዓዚያ ወጻኢታት'ውን ኣሎ ኩሎም ተደራሪቦም ከቢድ'ዩ ነይሩ።

ዓላማኻ ነጺርካ መኽየዲ መገድኻ እንተፈሊጥኻዮ ቐጺሉ ዘሎ ነገር ቀሊል እዩ፤ ኣነ ድማ እቲ ዝደልዮ ኣነጺረ ኣለኹ፤ ድሓር እቲ ወሳኒ ነገር ጻዕሪ'ዩ።

ኢድ ብኢድ ዝኸውን ነገር ስለ ዘየለ ግዜኻ ብኣግባቡ ክትጥቀም ኣለካ።

ግን ከምዚ ፈተና ክበዝሕ ከሎ ጠንካራ'ዩ ዝገብረካ። ዕላማኻ ክተዐውት ስለ እትጽዕር ጥንቁቕን ጠንካራን'ዩ ዝገብረካ።

ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ዝኸደን መገዲታት ተጠንቂቐ ክኸይድ'ዩ ገይሩኒ። መወዳእትኡ ጽቡቕ ኮይኑ ንኹሉ ድኻመይ ዘከሓሕስ ውጽኢት ረኺበ።

ብኸምዚ፡ ዝነበረኒ ስራሕን ደሞዝን ገዲፈ ከም ሓድሽ ትምህርቲ ክጅምር ወሲነ እቲ ቀዳማይ ምርጫይ ዳሕራይ ረኺበዮ።

መጀመርታ ከይተሳኽዐለይ ምስ ተረፈ፡ ሕክምና ይኽእሎ'የ ዝብል ኒሕ ስለ ዝነበረኒ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዕድል ከምልጠኒ ኣየፍቀድኹን።

ኣነ ክመሃር ብዙሕ መስዋእቲ ገይረ እንድየ፤ ግን ድማ ደቀይን በዓል ሓዳረይን'ውን ማዕረ መስዋእትነት ከፊሎም'ዮም።

በዓል ቤተይ ሓላፍነት ተሰኪሙ'ዩ ጸኒሑኒ። ሐዚ ድሓን ክሒሰዮም'የ ኢለ ይሓስብ፤ ብቐጻሊ'ውን በዚ ሞያ ጽቡቕ ነገር ሰሪሐ ዝበለጸ ክክሕሶም'የ ዝሓስብ።

እዚ ትምህርቲ ከጽንዕ ከለኹ፡ ንዓይ ፈታኒ ዝነበረ ቖልዑ ምእላይ፣ ናብ ቤተሰብ ምምልላስ፣ እቲ ናይ ሕክምና ትምህርቲ'ውን ናይ ተግባር ትምህርቲ ስለ ዝበዝሖ ንዕኡ'ውን ምክእኣል ግዜ ይሓጽረኒ ነይሩ።

ግን ድማ እታ ዘላትካ ንጽባሕ ዘይምባል፣ ፈተና ከጋጥም ከሎ ኢድካ ዘይምሃብ፣ መፍትሒታት ኣቐዲምካ መገድኻ ምቕጻል ተማሂረሉ'የ።

ጓል ኣንስተይትን ትምህርትን

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዙርያ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተፈትሐ ጸገም ዝብሎ ዓብዪ ነገር ሕብረተሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ'ዩ።

ኩሉ ነገር ካብ ዘዕብየካ ገዛ ዝጅምር ኮይኑ፡ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ኣብ ዘለውሉ ገዛ ቀዳምነት ነቲ ወዲ ተባዕታይ'ዩ ዝወሃቦ።

ኣብ ከባቢና ዘሎ ሕብረተሰብ ንጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣጠማምታ ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብቲ ሙስሊም ሕብረተሰብ ግን ቁሩብ ክብድ ይብል'ዩ። ዚያዳ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ሓዳር ገይራ ናብራ ክትኣሊ እዩ ዝመርጽ።

ብኣጋ ሓዳር ገይራ ናብርኣ እትኣሊ ጓል ኣንስተይቲ፡ እድብቲ'ያ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ኣብ ርሕቕ ዝበለ ዩኒቨርሲቲ እንተተመዲባ፡ ከምዘይትኸይድ ኣቐዲማ እያ ትፈልጦ፤ በዚ ተስፋ ትቖርጽ።

ናብ ሓዳር እንተኣቲኻ ድማ ምምሃር ከቢድ'ዩ። በዓል እንዳኻ ንትምህርቲ ዘለዎ ዝንባለ እወንታዊ እንተዘይኮይኑ፡ ሓላፍነት ክወስድ ስለ ዘይደሊ ከቢድ'ዩ።

ግን ድማ ክትሰብሮ ዝከኣል ጸገም'ዩ ኢለ ይሓስብ። ኣብ ክሊ እቲ ሰብ ዝሓስቦ ከጋጥመካ ዝኽእል ቁጠባዊ ጸገማት'ውን ዓርሱ ዝኸኣለ ፈተና'ዩ።

ኣነ ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ሓላፍነት ወሲደ ክመሃር ከለኹ፡ ሰብኣየይ ሓጋዚዬ እንተነበረ'ውን ቑጠባዊ ዓቕሚ ግን ይፍትነኒ ነይሩ።

ክትመሃሪ እንተኾይንኪ እንተውሓደ ንጽህናኺ ንምሕላው ዘድልዩ ነገራት ክማልኡ ኣለዎም።

ሓልሓሊፉ ደቂ ኣንስትዮ ፈቲና'ውን ኣይኮንናን ካብ ትምህርቲ ንቦክር፤ ከምዚኦም ዝበሉ ብድሆታት'ዮም ንድሕሪት ዘትርፉና።

ግን፡ እዚ'ውን እንተተማሂርናን እንተሰሪሕና ኢና ክንሰብሮ እንኽእል።

ጎና ጎኒ ድማ ከም መሐለዊ ንጽህና ዝበሉ ቐረባት ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ኣለዎ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ስለ ዝስከፋ ትምህርቲ ከቛርጻ ይግደዳ'የን።

ኣብ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ምጥቃም መከላኸሊ ጥንስን ድማ ዝሓሸ ግንዛበ ክፍጠር ኣለዎ ኢለ ይኣምን።

ኣነ፡ ምስ ብዙሓት ዘጓንፉኒ ዝነበሩ ጸቕጢታት እየ ተማሂረ። እታ ሳልሰይቲ ጓለይ ቅድሚ ምረቓ ኣብ ዘለዋ 22 መዓልታት'ያ ተወሊዳ።

መኪና ተበላሽዩ ኣብ መገዲ ዝሓደርኩሉ፣ ውላደይ ሓሚሙ ሆስፒታል ዝኣተወሉ ከበድቲ መዓልታት የጋጥሙኒ ነይሮም።

እንተኾነ፡ ስራሕን ካልእን ገዲፈ ዝጀመርኩዎ ስለ ዝነበረ ንጻት'ውን ከቋርጾ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን።

በዓል ቤተይ፡ መወዳእትኡ ምስ ርኣየ ብጣዕሚ ሕጉስ ነይሩ፤ ኣባይ ዘለዎ እምነት ልዕሊ እቲ ክገልጾ ዝኽእል ፍሉይ ሰብ'ዩ።

"ከም እተዐውትዮ ይፈልጥ'የ፤ ዓላማ እንተሒዝኪ ጠንካራ ምዃንኪ'ውን ይኣምን። ቐጻሊ ኩሉ ክተዕውቲ ኢኺ" ኢሉኒ።

ኣብ ቀጻሊ ብናይ ውሽጣዊ ሕማማት ስፔሻላይዝ ክገብር እየ። ብተመሓላለፍቲ ሕማማት'ውን ማስተርስ ወሲኸ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ክነጥፍ መደብ ኣለኒ።