እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማክሮን፡ "ንኣሸበርቲ ተዋጊእና ክንስዕሮም ኢና” ይብል
ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነቲ ‘ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ’ ዝብል ዛዕባ ከስተምህር ብምፍታኑ፡ ብኣሸበርቲ ሓይልታት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ርእሱ ዝተቖርጸ ፈረንሳዊ መምህር ብምዝካር፡ “ ኣሸበርቲ ኣይክዕወቱን እዮም - ክንስዕሮም ኢና” ኢሉ።
እቲ ብሓይልታት ግብረ ሽበራ ርእሱ ዝተቖርጸ ስሙ ዘይተገልጸ መምህር፡ ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ናይ ነብይ መሓመድ ናይ ካርቱን ምስሊ ንተመሃሮኡ ስለዘርኣየ እዩ ብኣሸበርቲ ተቐቲሉ ዝበሃል ዘሎ። እቲ ዝቐተሎ መንእሰይ ከኣ ንፖሊስ ኢዱ ምሃብ ስለዝኣበየ ንእለቱ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።
ፕሬዝደንት ማክሮን፡ ኣብቲ እቲ ብስም ዘይተገልጸ መምህር ዝተቐትለሉ ስፍራ ተረኺቡ “ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ቅልጡፍን ዘየላቡን መጥቃዕቲ ክንወስድ ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ መዓስ እዩ ተፈጺሙ?
እቲ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሽት፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ’ዩ ተፈጺሙ። እቲ ቀታሊ፡ ነቲ ግዳይ “ኣላህ ዎኣክበር” ብምባል፡ ብበሊሕ ካራ ክሳዱ ከምዝቖረጾ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ፖሊስ መንነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣይገለጸን ዘሎ።
እቲ ቐታሊ ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ካብቲ ቦታ ክሃድም እኳ እንተፈተነ፡ ህጹጽ ጻውዒት ዝተገብሮ ሓይሊ ፖሊስ ንእለቱ ኣርኪቡ።
ፖሊስ፡ ነቲ ቀታሊ ኢዱ ክህብ እኳ እንተሓተቶ፡ ብጸርፍን ዘላፋን ስለዝመለሰ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቐትለ ተፈሊጡ። ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ ኣሎ። እቶም ዝተታሕዙ ሰባት ከኣ ምስቲ ቀታል ሰብ ዝምድና ከይሃለዎም ኣይተርፍን’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ዋላ’ኳ ፖሊስ መንነት ቀታሊ ብወግዒ እንተዘይሓበረ፡ ኣብ ኤፍ ኤም ቲቪ ዝተባህለት ናይ ፈረንሳ ቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ ግን እቲ ቀታሊ ኣብ ሩስያ ሞስኮ ዝተወልደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ምዃኑ ተነጊሩ ኣሎ።
እቲ ርእሱ ተሰይፉ ዝተቐትለ መምህር’ከ መን እዩ?
ዘ ሌሞንድ እትበሃል ጋዜጣ ፈረንሳ ከም ዝጸብጸበቶ፡ እቲ ርእሱ ተቖሪጹ ዝተቐትለ መምህር እዩ። ንሱ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ምስ ዝብል ኣከራኻሪ ዛዕባ ብዝተሓሓዝ፡ ናይ ነብዩ መሐመድ ካርቱን ስእልታት ተጠቒሙ ንተመሃርኡ እናምሃረ፡ በቲ ዛዕባ ዘይሕጉሳት ተማሃሮ እንተልዮም ነቲ ክፍሊ ገዲፎምዎ ክወጽኡ ከምእተዛረበ ጋዜጣ ዘ-ሌሞንድ ጸብጺቡ።
ብድሕር’ዚ፡ ብተግባር እቲ መምህር ዘይተሓጎሱ ወለዲ፡ ነቲ ተግባር ብምቅዋም ናብ ቤት ትምህርቲ ጥርዓን ኣቕሪቦም። ኣይደንጎየን ከኣ እቲ መምህር ኣብ ዘይሓሰቦ ሃንደበት ብወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኣብ መገዲ ክሳዱ ተሰይፉ።
ኣብ ፈረንሳ ከምኡ ዓይነት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ክፍጸም ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ቅድሚ ሰለስተ ሳምንቲ እውን ሓደ ወዲ 18 ዓመት ፓኪስታናዊ ብመፈጽፈጽ ስጋ ዓቢ ካራ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰባት ጉድኣት ኣብጺሑ’ዩ።
ኣብ 2015 እውን ክልተ ፈረንሳውያን ኣስላም፡ ናብ ቤት ጽሕፈት መጽሔት ቻርሊ ሄብዶ ከይዶም፡ ማዕጾ ሰይሮም ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ተኹሲ ብምኽፋት 12 ሰባት ቀቲሎም ነይሮም።