እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፓሪስ ምስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብዝተሓሓዝ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ: ፓሪስ ምስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብዝተሓሓዝ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ሰብ መዚ ገሊጾም።
እቲ መጥቃዕቲ ብዓርቢ ኣብ ከባቢ ናይ ቀደም ቤትጽሕፈት መጽሄት 'ቻርሊ ሄብዶ' ዝተኻየደ ኮይኑ፤ ሓደ ሰብኣይ ብጎዘሞ ጌሩ ንኽልተ ሰባት ከም ዘቑሰለ ተገሊጹ።
እቲ ቀንዲ ጥርጡር፡ ፓኪስታናዊ መበቆል ዘለዎ ወዲ 18 ዓመት፡ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝተታሕዘን ካልኦት ሽዱሽተ'ውን መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ግብረሽበራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፡ ገራልድ ዳርማኒን እቲ መጥቃዕቲ "ብንጹር ናይ እስላማዊ ግብረሽበራ እዩ" ኢሉ። ወሲኹ'ውን ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ስግኣት ትሑት ገምጋም ሂቦምዎ ምጽንሖም ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ኣብ 2015 ኣብ ቻርሊ ሄብዶ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ክልተ ጂሃዳውያን ብምትሕብባር ዝተኸሰሱ 14 ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን እዩ ተኻይዱ።
በቲ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቻርሊ ሄብዶ ድሕሪ እቲ ናይ 2015 መጥቃዕቲ ቤትጽሕፈቱ ካብቲ ስፍራ ኣግዒዝዎ እዩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ህንጻ ሓደ ናይ ቴለቪዥን መደበር እዩ ዝጥቐመሉ'ዘሎ።
እቶም ብዓርቢ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ክልተ ሰባት፡ ዛጊት መንነቶም እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣብቲ መደበር ቴለቪዥን ዝሰርሑ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ምዃኖም ፖሊስ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጂን ካስቴክስ ኣብቲ ስፍራ ንዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ግዳያት ንህይወቶም ዘስግእ መቑሰልቲ ከም ዘየጋጠሞም ተዛሪቡ።
ኣብዚ እዋን ቻርሊ ሄቦ መደበሩ ምስጢራዊ እዩ።