ፓሪስ፡ ኣርባዕተ ሰባት ብሓደ ካራ ዝሓዘ ወልቀሰብ ተቐቲሎም

ኣብ ፓሪስ፡ ሓደ ካራ ከዋጣውጥ ዝተራእየ ውልቀሰብ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፓሊስ ከተማ፡ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ቀቲሉ።

እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ወልቀሰብ፡ ሰራሕተኛ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምዃኑን፡ ፓሊስ ጥይት ተኲሶም ከም ዝቐተልዎን ተፈሊጡ።

ዛጊት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን። ብዙሓት ሰባት እናበኸዩ ካብቲ ከባቢ ክሃድሙ ከም ዝተራእዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተዛሪቦም።

እዚ ናይ ሓሙስ መጥቃዕቲ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ'ቲ ፓሊስ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ንምቅዋም ናይ ስራሕ ኣድማ ምክያዶም'ዩ ተፈጺሙ።

ብኣቆጻጽራ እታ ከተማ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሓደ ድቀ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ናብቲ ህንጻ ድሕሪ ምኻድ፡ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ንመሳርሕቱ ብካራ ክሃርም ጀሚሩ።

ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ናብቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት ጽሕፈት በጺሖም።

ከንቲባ ከተማ ፓሪስ ኣን ሂዳልጎ፡ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሓያሎ ሰባት" ከም ዝሞቱ ገሊጻ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ፍሉጥ ናይ ቱሪስት መስሕብ ዝኾነ ኖተርዳም ካቴድራል'ዩ ተፈጺሙ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበርዎ፡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሓደ ካልእ'ውን ቆሲሉ ከም ዘሎ ጸብጻባት እተን ማዕከናት ዜና የረድእ።

እቶም ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ኣብ ክፍሊ ስለያ ሓይሊ ፓሊስ ን20 ዓመታት ዝሰርሐ ወዲ 45 እዩ።

ኣብ መንጎኡን ሓላፊኡን ምትፍናን ከም ዝጸንሐ ሓደ ንክልቲኦም ዝፈልጥ ሰብ ተዛሪቡ።

"ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣይመስለኒን" ይብል ብዓልመዚ ማሕበር ኣባላት ፓሊስ፡ ክሪስቶፍ ክረፒን።

ብረቡዕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ፓሊስ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ጎነጽ ብምቅዋም፡ ብሃገር ደረጃ ናይ ስራሕ ኣድማ ከካይዱ እንከለዉ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ኣስታት 50 ኣባላት ፓሊስ ርእሶም ከም ዝቐተሉ ማሕበራት ፓሊስ እታ ሃገር ሓቢሮም።