ኣብ ፓሪስ ሸዉዓተ ሰባት፡ ብካራ መጥቃዕቲ በጺሕዎም

ሓደ ካራን ሓጺንን ዝተዓጠቐ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሸዉዓተ ሰባት መጥቓዕቲ ክፍጽም ከሎ፡ እቶም ኣርባዕተ ብጽኑዕ ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ፓሪስ ሓቢሩ።

እቲ ኣፍጋናዊ ምዃኑ ዝተገለጸ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከሎ፡ ምስ ግብረ ሽበራ ዘተኣሳስሮ ምንም ከምዘይተረኽበ ምንጭታት ይገልጹ።

ክልተ ካብቶም ግዳያት ብሪጣንያዉያን በጻሕቲ ምዃናም ተጸብጺቡ ኣሎ።

እቲ መጥቓዕቲ ሰንበት ምሸት ኣብ ገማግም ናይ ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ከተማ ዝርከብ መትረብ ኢዩ ኣጋጢሙ።

ኣብቲ ከባቢ ኩዕሶ ዝጻወቱ ዝነበሩ ሰባት፡ ደዉ ከብልዎ፡ ብኩዕሶ ጌሮም ምስ ሃረምዎ ከም ዝሃደመ ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻዒ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘዉጽኦ መግገለጺ "ምስ ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ብምዃን፡ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ንምርምሮ ኣሎና" ኢሉ።

ፖሊስ ፈረንሳ "ክሳብ ሕጂ ግብረ ሽበራ ኢዩ ከብለና ዝኽእል ዝኾነ ፍንጪ የሎን" ይብል።