እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጡቓት ኒጀር፡ ሽዱሽተ ፈረንሳውያን ስራሕተኛታት ረድኤት ቀቲሎም
ዕጡቓት ኒጀር ኣበ እልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብዘብፍሑዎ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ፈረንሳውያን ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ሰብ መዚ ገሊጾም።
እቲ መጥቃዕቲ ሞተር ሳይክል ሒዞም ተኹሲ ብዝኸፈቱ ዕጡቓት ክፍጸም እንከሎ፡ ምስቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝነበሩ መራሒ መኪናን መራሒ ዑደትን እውን ከም ዝተቐትሉ ኣመሓዳሪ ክልል ቲላቤሪ ቲጃኒ ኢብራሂም ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ተዛሪቡ።
እቶም ፈረንሳውያን መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ዝኾነት ኮሬ ኣብ ዝተባህለት ዞባ ምስ በጽሑ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተሪፈን ዝበሃላ ዕስለ ዘራፍ ንምርኣይ ጠጠው ምስ በሉ'ዮም ተቐቲሎም።
መንግስቲ ፈረንሳ'ውን ሞት ዜጋታቱ ኣረጋጊጹ እዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኒጀር ኢሶኡፎኡ ካታምቤ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ እቶም ፈረንሳውያን ንሓደ ዓለማዊ ትካል ረድኤት ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም።
ኣክትድ ዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ፈረንሳ ሰራሕተኛታቱ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።
ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ኒጀራዊ መዘንኡ መሓመድ ኢሶኡፎኡ ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ ኣሎ።
ቢቢሲ ኣብ ዘረጋገጾ ስእሊ፡ ኣስክሬን እቶም ዝተቐትሉ ውልቀሰባት ኣብ ጎኒ ዝጉኣዙላ ዝነበረት መኪና ኣብ መሬት ወዲቑ የርኢ፤ እታ መኪና ድማ ተቓጺላ እያ።
እቲ መጥቃዕሊ ብመን'ዩ ተፈጺሙ ዝብል ክሳብ ሕጂ ግልጺ ኣይኮነን፤ ግን ድማ ኣብ ኒጀር ዝንቀሳቐሱ ጂሃዳዊ ጉጅለታት ኒጀር ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
መንግስቲ ፈረንሳ፡ ዜጋታቱ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ባዕዳዊ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ክንቀሳቐሱ ኣይመክርን፡፡
ፈረንሳ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ሳሕል ብጥምረት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካን ኣውሮጳውያን ደግፍቶምን፡ ኣንጻር እስላማውያን ሚልሻታት ዝካየድ ዘሎ ውፍሪ እናመረሐቶ እያ፡፡