ወዲ 69 ዓመት ፈረንሳዊ ሓኪም ህጻናት ብምዕማጽ ተኸሲሱ

ፈረንሳዊ ሓኪም መጥባሕቲ ጆዬል ሶራንስ፡ ክልተ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ህጻናት፣ ጎረቤትን ከምኡ'ውን ሓንቲ ሕምምቲ ህጻንን ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑ ብዝብል ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍረዲ ቀሪቡ።

ዓቀብቲ ሕጊ፡ እዚ ወዲ 69 ዓመት ካብ 1989 ክሳብ 2017 ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ልዕሊ 349 ህጻናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑ ኢሎም ይጥርጥሩዎ።

እዚ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝተፈጸመ እቲ ዝዓበየ ገበን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ይሕበር።

ጆዬል ሶራንስ፡ ንገለ ገበናቱ ወላ እኳ እንተኣመነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ግን ኣይፈጸምኩን ይብል።

መስርሕ ፍርዲ እዚ ክሱስ እንተቐጺሉ ግን ካልኦት ብዙሓት ግዳያት ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

እዚ ሓኪም ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ን 20 ክእሰር ከምዝኽእል ይግለጽ።

ዲክተር ሶራንስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘብጸሐላ ጎረቤቱ ንስድርኣ ምስ ሓበረት እዩ ፖሊስ ብዝበጽሖ ሓበሬታ ብ2017 ክኣስሮ ክኢሉ።

መርመርቲ፡ ኣብ ገዝኡ ድሕሪ ዘካየዱዎ ተፍትሽ ስእሊ ግዳያት ህጻናትን፤ ዝርዝር ዝፈጸሞም ጾታዊ ግህሰታት ዝሕብር ሰነድን ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።