እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍሪቃ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘኸተለላ ቁጠባዊ ሃሰያ ንምንስእራር 1.2 ትሪልዮን ዶላር የድልያ
ኣፍሪቃ ካብ'ቲ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ቅልውላው ቁጠባን ጥዕናን ንምንስእራር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት 1.2 ትሪልዮን ዶላር ከምዘድልያ ዓለማዊ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ሓቢሩ።
ዋና ኣፈጻሚት ስራሕ ናይ'ቲ ትካል፡ ክሪስቲና ጆርጂየቫ፡ ማሕበረሰብ ዓለም "ኣፍሪቃ ካብዚ ቅልውላው ንኽትወጽእ ብዙሕ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ" ኢላ።
ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ክትነጻጸር ከላ፡ ዝተሓተ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስን ሞትን ዝተረኣየላ ኣህጉር እያ።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ዓለማዊ ለበዳ፡ ተወሰኽቲ 43 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናብ ክቱር ድኽነት ዝኣትዉሉ ኩነታት ከምዘሎ ባንኪ ዓለም ይገለጽ።
ነቲ ለበዳ ስዒቡ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ጽልዋ፡ ነቲ ንዓመታት ኣብታ ኣህጉር ክምዝገብ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ዕቤት ናብ ድሕሪት ዝመልስ ኮይኑ'ሎ።
ብዙሓት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ስርሖም ክስእኑ ከለዉ፡ ስድራቤታት ድማ ኣታዊአን ብ12 ሚኢታዊት ከምዝነከየ ዋና ኣፈጻሚት ስራሕ ባንኪ ዓለም ክሪስቲና ኣረዲኣ።
"መቐራቕሮ"
ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ቁጠባዊ ጽልዋ ንኽጻወራ ብዝብል 26 ቢልዮን ዶላር እንተሃበ'ኳ፡ ዋላ'ውን ካብ ብሕቲ (ውልቀ) ኣለቃሕትን ካልኦት ሃገራትን ዝርከብ ሓገዝ'ውን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መጠን እቲ ዘድሊ ገንዘብ ብዙሕ ሕጽረት ኣሎ።
"ገለ ሃገራት ኣብ ርእሲኤን ዝተዳዕነነ ዕዳ፡ ንዝመልስኦ ዕዳ ወይ ድማ ንማሕበራውን ጥዕናን ዝወጽኡ ወጻእታት ክመርጻ ኣብ መቐራቕሮ ኣእትይወን ይርከብ" ትብል ክሪስቲና።
ስለዝኾነ ድማ፡ ዕዳ ዝምለሰሉ እዋን ንኽናዋሕን ተወሰኽቲ ገንዘባዊ ሓገዛት ክቐርቡን ሓቲታ።
ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ ኣስታት 37,000 ድማ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።