ስደት፡ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ዝግመት 8 ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ጂቡቲ ሞይቶም

ኣብ ገምገም ባሕሪ ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ዝግመት 8 ስደተኛታት ከምዝሞቱን 12 ከምዝጠፍኡን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ሰምሰርቲ (ኣስገርቲ ስደተኛታት) ነቶም ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ገምገም ባሕሪ ጂቡቲ ካብ ጀልባ ኣገዲዶም ከውርድዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን እቲ ሞትን ምጥፋእን ከምዘጋጠመ እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ።

ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ልዕሊ 30 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ይግመት።

ካብታ ኣብ ቅልውላው ዘላን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከቢድ ፈተናታት ዘሕልፉላን የመን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምላስ ኣብ ጉዕዞ ከምዝነበሩ ድማ ተፈሊጡ።

ወሃቢ ቓል ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ከምዝሓበሮ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ካልኦት 14 ስደተኛታት ኣብ የመን ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ።

ኣብ የመን ኣስታት 14,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መውጽኢ ስኢኖም ከምዝርከቡ ይግለጽ።

ስዑዲ ነቶም ስደተኛታት ንለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ከምእትሰጎምን ናብ የመን ከምዝምለሱን ጸብጻበት የመልክቱ።