እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣየኖት ውድባት’ዮም ብዘይ ድምጺ ናብ ቤትምኽሪ ክኣትዉ ዝተሰማምዑ?
ኣብ መረፃ ትግራይ ድምፂ ህዝቢ ዘይረኸቡ ኣርባዕተ ተቀናቀንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ብኸመይ ክሳተፉ ይኽእሉ ዝብል ንምልዛብ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ትማሊ ሰሉስ ምስ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዕፅው ኣኼባ ከምዝተዛተዩ ተፈሊጡ።
ገለ ካብተን ኣብቲ ምርጫ ዝተሳተፋ ተቓወምቲ ሰልፍታት ነቲ እማመ ክቕበልኦ እንከለዋ፡ ገለ ግን ብዘይ እኹል ድምጺ ከምዘይኣትዋ ገሊጸን ኣለዋ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ኣብ ክልላዊ ባይቶ ትግራይ ኣትዩ "መቃለሲ ክንገብሮ ኢና" ክብል ኣቦመንበር ናይቲ ሰልፊ ኣቶ ግርማይ በርሀ ገሊጹ።
"ንሕና ንቃለስ ዘለና ህዝቢ ትግራይ ናጽነት ይግብኦ ኢልና'ዩ፡… ቤት ምኽሪ''ውን ሓደ መደረኽ'ዩ፡ ሓሳብና መግለጺ፡ ስለዚ ሓሳብ መግለጺ ክሳብ ዝረኸብና ቁጽሪ፡ ክንጥቀም ድልዋ ኢና" ኢሉ።
ሳልሳይ ወያነ ግን፡ ናብ ባይቶ ዘእቱ ድምጺ ዘይረኸባ ውድባት፡ በዚ መንገዲ ክኣትዋ ምግባር ነቲ ዘሎ ሕጊ ዝጥሕስ ስለዝኾነ፡ ነቲ እማመ ከምዘይተቐበልዎ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ውድብ ኣይተ ክንፈ ሓድሽ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዝተሓተ ድምጺ ዝረኸበ ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ ግን ነቲ ዝቐረበሎም ጠለብ ተቐቢሎም ናብቲ ቤት ምኽሪ ክኣትዉ ምዃኖም፡ ኣቦመንበር ናይቲ ሰልፊ፡ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም ኣረጋጊጹ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተመርጹ ወከልቲ ህዝቢ ዝሓዘ ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ጽባሕ ብዕሊ ክምስረት እዩ።
ኣብ’ቲ ምርጫ ህወሓት ካብ 190 ወናብር፡ ነቲ 189 መናብር ከምዝሓዞን ሓንቲ ወንበር ድማ ንሰልፊ ባይቶና ከምእትግባእ ንኮሚሽን መረጻ ትግራይ ምግላጹ ይዝከር።
"ብዘይ ድምፂ እትሳተፍሉ መናብር እንተሃብናኩም እንታይ ይመስለኩም?” ዝብል ሕቶ ንተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምዝቐረበሎም ኣቦ መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ፡ ኣይተ ግርማይ በርሀ ይገልፅ።
ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ዓሲምባ ግን፡ ነቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናብ ባይቶ ትግራይ ንኽኣትዋ ዝቐረበ ሕቶ ብዕሊ ከምዝተቐበሎ: ኣቦ መንበር ዓሲምባ: ዶሪ ኣስገዶም ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሰልፊ ዓሲምባ ኣብቲ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ 774 ድምፂ ህዝቢ ከምዝረኸቡ ኮምሽን ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሎሚ ድማ፡ ኮምሽን መረፃ ትግራይ፡ ምስ’ቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ባይቶ ትግራይ ይዛተ ኣሎ። እቲ ዘተ፡ ኣብ ምንታይ ዘተኮረ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይተገልጸን።
እንተኾነ፡ ብኸመይ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ተሳትፎ ክህልዎም ይኽእል ኣብ ዝብል ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭታት ይገልፁ።
ተመሓይሹ ዝወፀእ ኣዋጅ መረፃ ትግራይ ቁፅሪ 355: ድምፂ ህዝቢ ዘይረኸበ ፖለቲካዊ ሰልፊ መንበር ክሕዝ ኣይፍቅድን’ዩ ዝብል።
እቲ ፅባሕ ዝካየድ ጽምብል ምስረታ ሓድሽ ባይቶ ትግራይ: ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት እዩ ክፍፀም።
ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) እታ ብኮምሽን መረፃ ትግራይ ተዓዊትኩም ኢኹም ብምባል ዝተኣወጀት እንኮ መንበር ከምዘይቕበላ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ባይቶና ክብሮም በርሀ: ብዛዕባ እዚ ንቢቢሲ እንትዛረብ: ብሕጊ ዘይተፈቐደልና መንበር ከምዘይንቕበል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ እዩ ኢሉ።
ስለ'ዚ ወካሊ ባይቶና ኣብቲ ፅባሕ ዝካየድ ምስረታ ሓድሽ ባይቶ መንግስቲ ትግራይ ኣይክርከብን።