ደቡብ ሱዳን: ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልጡፍ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቅልጡፍ የስፋሕፍሕ ስለዘሎ፡ ደቡብ ሱዳን ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

ናይ መጀመርታኣ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝረኸበት ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎን: ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት እቲ ቁጽሪ ልዑል ምንባሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሓበረ ዝዝከር’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ዝኾነት ከተማ ጁባ: መዓልታዊ በረራ ስለዝገብር ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን ስግኣት ፈጢርሎም ከም ዘሎ ገሊጾም።

ውሃቢ ቃል ሚኒሰትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳን ዶክተር ቶው ሎይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ብናህሪ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ስለዝጸልወና ከተሓሳስበና ግድን’ዩ፡ ስለዚ ነዚ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉ ይግባኣና” ኢሉ።

እቲ ውሃቢ ቃል ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ጁባ ዝግበር በረራታት ደው ከምዘይብል ብምሕባር፡ ልክዕ ከምቲ ኩለን ሃገራት ዝገብረኦ፡ ንድሕነት ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ተባሂሉ ቀዳምነታት እናተሰርዑ ዓብዪ ጥንቃቐ ክንገብር ኢና ኢሉ።

“ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝግብር መዓልታዊ በረራታት ክቅጽል እዩ፡ ኣዝዩ ዘገድድ ኩነት እንተዘይኣጋጢሙ ድማ ከምዘለዎ ክቕጽል እዩ” ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ 59 ሽሕን 648 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ: ካብዚኦም እቶም 21 ሽሕን 789 ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ ሞት 933 ተመዝጊቡ ኣሎ።