ሜክሲኮ ሓደ ሚልዮን ‘ወረቐት ምስክር ሞት’ ከተሕትም’ያ

ኣብ ሰለስተ ግዝኣታት ሜክሲኮ: ሕጽረት ወረቐት ምስክር ሞት ስለዘጋጠመ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ሕጽረት ይሽፍን'ዩ ዝበሎ ሓደ ሚልዮን 'ወረቐት ምስክር ሞት' ከሕትም ምዃኑ ሓቢሩ።

ግዝኣት ባጃ ካሊፎርንያ፡ ኣብ ኢዳ ዝኾነ ‘ወረቐት ምስክር ሞት’ ከምዘይብላ ክትገልጽ እንከላ ሜክሲኮ ሲትን ዞባ ሜክሲኮን ብወገነን: ኣብ ኢደን ውሑድ ወረቓቅቲ ጥራይ ከምዝተረፈን ሓቢረን።

መንግስቲ ሜክሲኮ፡ እቲ ወረቐት ምስክር ሞት፡ ካልኦት ከይስንዕዎ ካብ ኣዝዩ ተሪርን ፍሉዩን ዓይነት ወረቐት ገይሩ ክሰርሖ ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ሜክሲኮ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ፡ ልዕሊ 67 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

እንተኾነ ሰብ ሞይ ጥዕና እታ ሃገር እቲ ቁጽሪ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ኣዝዩ ዝልዓለ ከምዝኾነን፡ እኹል መርመራ ይግብር ስለዘየሎ ብዙሓት ጥርጡራት ኮሮናቫይረስ ምስ ሞቱ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ከምዘይኣትዉ ሓቢሮም።

ብደራጃ ዓለም፡ ብመጠነ ሞት ኮሮናቫይረስ ንሜክሲኮ፡ ኣሜሪካ፤ ብራዚልን ህንድን ጥራይ እየን ዝቅድማኣ ዘለዋ።