ተወካሊ ክራይስስ ግሩፕን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንብረቶም ተመንጢሎም

ኣብ መጻኢ ረቡዕ ጳጉሜን ከ4 ንዝካየድ መረጻ ትግራይ ንምጽብጻብን ንምዕዛብን ንትግራይ ይጓዓዙ ዝነበሩ ወጻእተኛታትን ደቂ ዓድን ኣጋይሽ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብኣባላት ድሕንነት ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም።

እቶም ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሎም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣጋይሽ፡ ላዕለዋይ ተመራማራይ ክራይስስ ግሩፕ ዊልያም ዴቪሶን ሓዊሱ ዓለም ለኸ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ዝርከብዎም እዮም።

ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘሎ ፍሕፍሕ ብዕርቂ ክውዳእ ተላብዩ ነይሩ።

እታ ልዕሊ 30 ተሳፈርቲ ሒዛ ንመቐለ ክትለዓል ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ በረራኣ ዝተሰረዘ ኾይኑ፡ እቶም ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ካብቲ ዝሓሰብዎ ጉዕዞ ተሰናኺሎም።

ሞባይሎምን ላፕቶፖምን ከምዝተመንጠሉ ካብ መንጎኦም ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቶም ኣጋይሽ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ብሓይልታት ስለያ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብሉ ከምዝተገደዱ እዮም ዝገልፁ።

ሓደ ካብኦም ንብሉምበርግ፡ ንድምፂ ኣመሪካን ኒውዮርክ ታይምስን ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ሳይመን ማርክስ "ንዝተወሰኑ ሰባት መለለዪ መንነትና ምስ ፈተሹ ካብ ነፋሪት ኣውሪዶም ፅንሑ ኢሎም ኣገዲዶምና" ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

ምስኡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣውሎ ሚድያን ካልኦት ናብቲ መረፃ ዝገሹን 12 ሰባትን ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መረጻ፡ ኣፍልጦ ከምዘይህቦን ተፈጻምነት ዘይብሉን እዩ ብምባል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ መረጻ ምክያድ ሕገ መንግስታውን ኣካል መሰል ዓርሰ-ምምሕዳርን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።