መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ይዝከር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣኣብ ቤቱን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ንመበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎኡ ይዝክር ምህላው ተፈሊጡ።
ክሳብ ዓሚ ንዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ዕለት ብዝተፈላለየ መደባት እዩ ዝጽንብላ ነይሩ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ እንኮ ፖለቲካዊ ውድብ ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ ናይቲ ዝኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 1 መስከረም ምልክት "ኣውደ-ዓመት መብጽዓ" ምዃና ተዛሪቡ።
"ኤርትራ ማዕረ'ቲ እተኸፍለላ ክቡር መስዋእቲ፡ ዜጋታታ ብኽብረትን ፍትሒን ዝነብሩላ ዓዲ ራህዋን ማዕርነትን ክትከውን ሕጂን ንመጻኢን ኣብ ርእስና ተኣማሚንና ተመርኲስናን ከይሰልከና ክንጽዕር ኢና" ክብል'ውን ተመባጺዑ።
ኣብ ስደት ዝነብሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ማሕበራውን ውዳበታት ዝነጥፉ ኤርትራውያን እውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ እንቋዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ኣብጸሓና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ሕጋውን ሰብኣውን መሰላቱ ምስተሓድገ ናብ ኩሉ ዝምልከቶ ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓን ኣቕሪቡ ሰማዒ ምስ ሰኣነ እዩ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ታጋድሎ ኤርትራ፡ በታ ኣብ እምባ ኣዳል ብስዉእ ኤርትራዊ ሓርበኛ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተኮሳ ፈላመይቲ ጥይት ብወግዒ ተጀሚሩ።
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ (ቻርጄ ዲ ኣፌርስ) እስቲቭ ዋከር፡ ብወገኑ፡ ብኣጋጣሚ መበል 59 ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ንህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣብጽሓካ ኢሉ።
"እዛ ኣገዳሲት ዕለት ንኹሉ ኤርትራዊ ከምኡ ድማ ከምዚ ከማይ ነቲ ብሉጽ ዓወት ንዘድንቑ ካልኦት ሰባት፡ እቲ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ነዊሕን መሪርን ከምዝነበረ ከተስተማቕር ዕድል እትህብ ኣጋጣሚ እያ" ክብል ዘለዎ ውልቃዊ ክብርን ኣድናቖትን ገሊጹ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ በዓል ብኸምዚ ኣገባብ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከመሓላልፍ ሳሕቲ እዩ።
ኣብ ወግዓዊ ገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ነቲ ናይ ዮሃና ጽሑፍ ዘንበቡ ብዙሓት ሰባት ናይ ምስጋናን ኣድናቖትእ ርእይቶ ክሓድጉ እንከለው፡ ገሊኦም ግን፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ናይ ገዛእቲ ሓይልታት ዝኸፍአ እዩ ኢሎም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







