ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ክንዲ ጎነጽ ዘላዕሉ ደገፍቱ ተሓሊቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጓነፈ ናይ ጎደና ጎንጺ ንዝተሳተፉ ደገፍቱ ተኸላኺልሎም።
ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን ንክልተ ሰባት ዝቐተለ መንእሰይን ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝነበረ ሓያል ጎንጺ ንዝተሳተፉ መናእሰይ ንነብሶም ክከላኸሉ ዝወስድዎ ስጉምቲ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምስዓብ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ዝነሓነሖ ዘሎ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዲሞክራት ጆ ባይደን፡ ዘይተነገረሉ ማሕብራዊ ዘይምርግጋዕ ብምፍጣር ዝተፈልጠ እዩ ክብል ከሲሱ።
ጆ ባይደን ብወገኑ ነቶም ጎነጻት ዝኾነነ ኾይኑ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ነዛ ሃገር ህውከት ዝመልሰላ ዘሎ ክብል ወቒሱ።
ኣብቲ ኣብ ዝምጽእ ወርሒ ሕዳር ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ መረጻ፡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገብረ ቅድመ-ዳህሳስ ባይደን ንትራምፕ እናመርሖ ይርከብ።
ትራምፕ እንታይ እዩ ኢሉ?
ትራምፕ እዚ ዝበለ፡ ኣብቲ ትማሊ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ።
ኣብ መግለጺኡ፡ ብዲሞክራት ከንቲባታት ኣብ ዝምረሓ ከተማታት ተኸታተሊ ዘይምርግጋዕ ዝፍጠር ዘሎ ብሰንኪ ባይደን እዩ ክብል ከሲሱ።
ጋዜጠኛ ሲኤንኤን፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዝተርኣየ ጎንጺ ናቱ ደገፍቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጻረርቶም በሊሕ ነገር ወርዊሮም ጉድኣት ዘብጽሑ’ውን ኣይትኹንን’ዶ- ክብል ሓቲትዎ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ፖርትላንድ ዝነበረ ጎንጺ፡ ፓትሮት ፕረየር ዝተብሃለ፡ ንባዕሉ ኣንቲፋ እናበለ ይገልጽ ብዝነበረ ሰብ እዩ ተቐቲሉ ኢሉ።
ኣንቲፋ- ኣብ ኣመሪካ ኣምለኽቲ ጸዓዱ ዝኾኑ ኣኽረርቲ ‘ኔትወርክ’ እዩ።
ትራምፕ ግን ከምዚ ክብል እዩ ምላሽ ሂቡ።
“ይርደአኒ እዩ። ብዙሓት ደገፍቲ እዮም ነይሮም፤ ይኹን’ምበር ሰላማውያን ሰልፈኛታት እዮም ነይሮም” ኢሉ።
“እቶም ናትኩም ደገፍቲ እዮም ብበሊሕ ነገር ዘይኮነስ፡ ብጥይት ተኳሲኦም ነቲ መንእሰይ ዝቐተልዎ። ዘሕፍር እዩ” ኢልዎም።
ካልእ ያኮብ ብሌክ ምቕታሉ ስዒቡ ዝተገብረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ተኲሱ ነቶም ክልተ ዝቐተለ፡ ኣይትኹንን ዶ - ዝብል ካብ ካልእ ጋዜጠኛ’ውን ሕቶ ቀሪብሉ።
እቲ ዝተኮሰ፡ ከሃድም ይፍትን ከምዝነበረን፡ ኣማራጺ ምስ ሰኣን ንነብሱ ክከላኸል ከምኡ ከምዝገበረን እዩ ተዛሪቡ-ትራምፕ።
“ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ይምርመር እዩ ዘሎ። ንሪኦ ኣለና። ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበረ እዩ ዝመስል” ኢሉ።
ክልተ ኣባላት ኮንግሰረስ ዝኾነ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ነቲ ናይ ትራምፕ ምላሽ ኣናኢሶምዎ።
ካብኣቶም ሓደ፡ ጆ ኬኔዲ፡ “ረእዩዎ፤ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ሒዛ ኣብ ልዕሊ ሰባት ንዝትኩስ ጻዕዳ ዝከላኸል እዩ” ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







