ምንኣስ ሓዉ ንፕረዚደንት ትራምፕ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሞት ምንኣስ ሓዉን “መሓዝኡን” ሮበርት ትራምፕ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።
ሮቦርት ትራምፕ ኣብ መበል 71 ዓመቱ እዩ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምንኣስ ሓዉ ብሰላም ከምዝዓረፈን፡ ብሞቱ ኣዝዩ ከምዝሓዘነን ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሞት ሓው ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ሆስፒታል ከይዱ ንሓዉ ርእይዎ ነይሩ።
ሽዑ ድማ “ኣብ ከቢድ ሕማም እዩ ዘሎ” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።
መንቀሊ ሞቱ እንታይ ከምዝኾነ ኣይተነጸረን። ብዙሓት መራኸብቲ ብዙሓን ኣመሪካ፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ምንባሩ ጸብጺበን።
“ሓወይ ጥራይ ኣይነበረን፡ ቀንዲ መሓዛይ’ውን እዩ ነይሩ” ኢሉ ፕረዚደንት ትራምፕ።
ወዱ ንፕረዚደንት ትራምፕ ኤሪክ ድማ፡ ንሓው ኣቦኡ “ዘደንቕ ሰብ - ብርቱዕ፣ ሕያዋይን ኣዝዩ እሙንን” ክብል ገሊጽዎ።
ሮቦርት ካብ ሓሙሽተ ኣሕዋት እንዳ ትራምፕ ሓደ ኮይኑ፡ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ብኽልተ ዓመት ዝንእስን ናይቲ ገዛ ሕሳስን እዩ ነይሩ።
ቦኽሪ ናይቲ ገዛ፡ ፍሬድ ብ 1981 እዩ ሞይቱ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







