እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መስጊድ 51 ሰባት ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ንሕልፈት ተፈሪዱ
ቤት ፍርዲ ኒውዚላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ 51 ሰባት ንዝቐተለ ውልቀ ሰብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ፈሪዱ፡፡
ወዲ 29 ዓመት ኣወስትራልያዊ ብሬንተን ቴራንት ንዝቐረበሉ ክሲ ቅትለት 51 ሰባት፣ ናይ 40 ሰባት ፈተነ ቅትለትን ግብረ ራዕድን ተኣሚኑ።
እቲ ዝተወሰነሉ ፍርዲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላማይ ኮይኑ፡ ብሬንተን ቴራንት ኣብ ታሪኽ ኒውዚላንድ ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረዶ ፈላማይ ሰብ እውን እዩ።
ዳይና፤ ነቲ ተግባር ‘‘ኢ-ሰብኣዊ’’ ዝበለ ኮይኑ እቲ ገበነኛ ርህራሀ ዘይነበሮ ክብል ገሊጹዎ።
እቲ ገበነኛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ብፌስቡክ ቀጥታ እናመሓላለፈ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ኮይኑ ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ።
"ክፉእ ገበን ስለ ዝፈጸምካ ክሳብ ትመውት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣይትወጽእን" ኢሉዎ ዳይና ካሜሮን ማንደር።
ብዝኾነ መዐቀኒ ብይቕሬታ ከይፍታሕ ከም ዝተወሰነ ከብርህ እንከሎ ድማ፤ "እዚ ፍርዲ ኣብ ክፉኣት ቐተልቲ'ዩ ዝፍረድ" ኢሉ።
ኣብ ሕጊ ኒውዚላንድ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝበሃል የለን፡፡
ቀዳመይቲ ሚኒስትር እታ ሃገር ጃሲንዳ ኣርደን፡ ነቲ ውሳነ ምስ ሰምዐት ‘‘ሎሚ መዓልቲ ናይቲ ኣሸባሪ ስም ንመወዳእታ ግዘ እንሰምዓሉ መዓልቲ ከም ዝኾነ ተስፋ ይገብር’’ ኢላ፡፡
ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ መዓልቲ፡ ነቲ ገበነኛ ብዛዕባ ሓድሕድ እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝተዛረቦ ዳይና ማንደር፡ እቲ ገበነኛ ዝኾነ ዓይነት ጣዕሳ ይኹን ሕንከት ከም ዘይተርኣዮ ገሊጹ፡፡
ብጠበቕኡ ኣቢሉ ነቲ ውሳነ ኣመክሮ ዘይብሉ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ከምዘይቃወም ዝገለጸ ቴራንት፡ ኣብቲ ውሳነ ዝሃቦ መልሲ የለን፡፡
ቅድም ክብል ኣብቲ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ክዛረብ ዝተውሃቦ መሰል እውን ኣይተቐበሎን፡፡
ቴራንት፡ 15 መጋቢት 2019 ፡ ኣብ ከተማ ክራይስትቸርች ኣብ ክልተ መሳጊድ መጥቃዕቲ ፈጺሙ፡፡
ነቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ድማ ኣብ ግንባሩ ብዘቐመጦ ካሜራ ኣብ ፌስቡክ ብቐጥታ የሕልፎ ነይሩ፡፡
ኣብ መስጊዳት ኣልኑርን ሊንዉድን መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሉዎ፡፡
ምስተኣሰረ ድማ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ነቶም መሳጊድ ናይ ምቅጻል ትልሚ ከም ዝነበሮን፡ ንሱ ብዘይ ምፍጻሙ ከም ዝሓዝንን ንፖሊስ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ኣብዚ ናይ ለሚ ሰሙን መጋባእያ እቲ ገበነኛ ኣብ ካሊእ ሳልሳይ መስጊድ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ትልሚ ከምዝነበሮን ኣብ መገዲ ከም ዝተትሓዘን ነቲ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ እዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ስኮት ሞሪሰን፡ ነቲ ብልዕልነት ጸዓዱ ዝኣምን ገበነኛ፡ ‘‘ሕሉፍ የማናዊ ኣሸባሪ’’ ክብል ገሊጽዎ እዩ፡፡
ኣብ ውስትራሊያ ግዝኣት ሳውዝ ዌልስ ዝተወለደ ብሬንተን ቴራንት፡ ኣቡኡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2010 ምስ ሞተ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ኤስያን ከም ዝተዘዋወረ ይግለጽ፡፡
ድሕሪ እቲ ጉዕዞ ከም ዝተቐየረ ድማ እኖሓጎኡ ትዛረብ፡፡
ኣብ 2017 ናብ ኒውዚላንድ ተጓዒዙ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረሰብ መጥቃዕቲ ንፍጻም ክትልም ጀሚሩ፡፡
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍ ዝነበረ ቴራንት፡ ቅድሚ እቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ 74 ገጽ ዘለዎ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ ነይሩ፡፡
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣጠቓቕማ ብረት ዝምልከት ሕጊ ዘመሓየሸት ኒውዝላንድ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ሓደሽቲ ኣጽዋራት ካብ ውልቀ ሰባት ገንዘብ ከፊሉ ተረኪቡብዎም እዩ፡፡