እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዚላንድ፡ ካብ መጥቃዕቲ ክራይስትቸርች ብተኣምር ዝደሓነ ኢትዮጵያዊ
ኣብ ኒውዚላንድ ድሕሪ ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ መጥቃዕቲ፡ መንግሰቲ ኣብ ምቁጽጻር ብረት ተሪር ሕጊ ኣውጺኡ።
ኣብቲ ኣብ መስጊድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ዜጋታት ግዳያት ኮይኖም ኢዮም። ክልተ ኢትዮጵያውያን ድማ ብኸቢድ ከም ዘቖሰሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ምእመናን ጸሎት ንምብጻሕ ኣብ መስጊድ ኣብ ዝተኣከብሉ ብሓደ ዕጡቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ውሑዳት'ዮም ብህይወት ክድሕኑ ክኢሎም፡ ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ፡ ነባሪ ክራይስትቸርት ኢትዮጵያዊ ኣቶ ዓብዱልቃድር ኣባቦራ እዩ።
ኣቶ ዓብዱልቃድር ኣባቦራ፡ ነቲ ዝነበረ ክስተት እንክዝክር "ሰሙናዊ ትምህርቲ እናተኸታተልና እንከለና፡ ብድሕሪት ማዕጾ ቶዅሲ ሰሚዕና፡ ኤለክትሪክ ዝተቓጸለ ወይ ቆልዑ ርችት ዝትኩሱ ዘለዉ'ዩ መሲልና ነይሩ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣብ ኒውዝላንድ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ" ይብል።
ብድሕሪ'ዚ ናይቲ ቶኵሲ ድምጽን ሓውን ናብ ውሽጢ 'ኮሮድዮ' ክኣቱ ከም ዝርኣየን ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ክወድቁ ከም ዝተዓዘበን ኣቶ ዓብዱልቃድር ኣባቦራ ይዛረብ። ኣድራጋ ቶኵሲ ናብኦም እናቀረበ መጺኡ፡ ብድሕሪ እዚ፡ ክሃድሙ ዝኽእሉ ኹሎም ሞስኮትን መዓጹን እናሰባበሩ ክሃድሙ ጀሚሮም።
ኮይኑ ግና ኣቶ አብዱልቃድ ዝነበሮ ስፍራ መስኮት ይኹን ማዕጾ ኣይነበሮን። "እቲ ዑጡቕ ሒዝዎ ዝነበር ኣውቶማቲክ ጠበንኛ ኮይኑ፡ ካዝና እናቀያየረ የማን ጸጋም እናተዛወረ በቃ ዝገደፈልና የብሉን ጨፍጪፍና'ዩ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቂቕ ምሉእ ኢዩ ተኵሱ" ይብል ኣቶ አብዱልቃድር።
እዚ ኹሉ ክኸውን ኣቶ አብዱልቃድር ኣብ ኩርናዕ እቲ መስጊድ ኮይኑ'ዩ ዝዕዘብ ነይሩ። "ኣጋጣሚ ኾይኑ ክሃድም ሰለ ዘይካኣልኩ፡ ኣብ ፊተይ ሓደ ቁርኣን ዝቕመጠሉ ናይ መጽሓፍቲ ኸብሒ ነይሩ፡ ንዕኡ ስሒብ ኣብ ልዕለይ ኣውዲቐዮ፡ ካብ ርእሰይ ክሳብ ሕቖይ ተሸፊነ ስለ ዝነበርኩ እቲ ቀታሊ ኣይርኣየንን።
ካብቶም መውጽኢ ስኢኖም ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ዝተኸርደኑ ከይተተንከፉ ብህይወት ዝወጹ ኣቶ አብዱልቃድርን ኢማም ናይቲ መስጊድን ኢዮም።
ኣቶ አብዱልቃድር ኣብ ትሕቲ ከብሒ ኾይኑ፡ እሮማይ እቲ ኣብ ዜና ዝርእዮ ኣባይ ተፈጺሙ ብምባል ይሓስብ ነይሩ። "ልዕሊ ዝኾነ ግና ናይ ክልተ ሰሙን ሓራስ ዘላ ሰበይተይን ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ክልተ ደቀይን ይርኣይኒ ነይሮም፡ ሙማተይ ዘይተርፍ ሙዃኑ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ትነፋሰይ ሓቢኤ ኣብ ጸሎት ኣትየ።"
"ኣብታ ምስ ሞት ዝተፋጠጥኩላ ናይ መወዳእታ ደቂቕ፡ ነታ ኣብ ዓዲ ዘላ ብጀካይ ካልእ ጠዋሪ ዘይብላ ውላዲተይ ብድሕረይ እንታይ ኮን ክትከውን ኢያ ኢለ ሓሲበ።"
ካብ መሰጊድ ሃዲሞም ዘምልጡ'ውን ብመስኮት ይትኩሰሎም ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ንዝነበርና ኩልና ቀቲለዮም ኢሉ ብምሕሳብ ብጉያ ካብ መስጊድ ምስ ወጸ፡ ደንጉዮም ንዝመጹ ምእመናን ኣብ ኣፍ ደገ ረኺቡ ለኪምዎም።
አቶ አብዱልቃድር ካብዚ ሓምሳ ዝበጽሑ ሰባት ዝቐዘፈ ህልቂት ብህይወት ምውጽኡ ከም ተኣምር ኢዩ ዘቖጽሮ።
እቶም ኣብዚ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።
"ገዛይ ምስ ኣተኹ ብጀካ ምስ ሰበይተይ ተሓቛቒፈ ምብካይ ምንም ክዛረብ ኣይከኣልኩን፡ ክሳብ ንጽባሒቱ ኣእምሮይ ትኽክል ኣይነበረን። ክሳብ ሕጂ'ውን ክድቅስ ኣይከኣልኩን፡ ስራሕ'ውን ክሳብ ሕጂ ኣይጀመርኩን" ይብል ኣቶ አብዱልቃድር።
ካብዚ መዓት ዝደሓነ ኣቶ አብዱልቃድር ፈጣሪ ብምምስጋን፡ ብህይወት ምትራፉ እንደገና ከም ዝተወልደ ከም ዝሓስቦ ይዛረብ።