እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣብ ቦርሳኣ ዕሸል ሓቢኣ' ካብ ፊሊፒንስ ክትወጽእ ዝፈተነት ኣመሪካዊት ተኣሲራ
ጀኒፈር ታልቦት እትበሃል ኣመሪካዊት፡ ሓድሽ ዝተወለደ ዕሸል ኣብ ቦርሳኣ ሓቢኣ ካብ ፊሊፒንስ ክትወጽእ ድሕሪ ምፍታና፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
እታ ጓል 43 ዓመት ኣመሪካዊት፡ ኣብ ከተማ ማኒላ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኒኖይ አኩዊኖ ብረቡዕ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
ናብ ኣመሪካ ክትጓዓዝ ናብ ነፋሪት ክትኣትው እንከላ እዩ እቲ ዕሸል ኣብ ቦርሳኣ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ሰብመዚ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዕሸል ንሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ዝሃበቶ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይነበረን።
ቤት ጽሕፈት ምጽራይ ገበን ፊሊፒንስ፡ ጀኒፈር 'ነቲ ዕሸል ሓቢኣ ካብ ሃገር ከተውጸኦ' ከምዝፈተነት እዩ ዝገልጽ።
ናይቲ ዕሸል ኣቦን ኣደን ድማ፡ ንውላዶም ሓለዋ ብዘይምግባር ክሲ ዝቐረበሎም ኮይኑ፤ እቲ ህጻን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ክንክን ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት እዩ ዘሎ።
እታ ነባርነታ ኣብ ከተማ ኦሃዮ ዝኾነት ኣመሪካዊት፡ ናብ ነፋሪት ክትሳፈር እንከላ ብዛዕባ እቲ ዕሸል ዝገልጽ ዝኾነ ሰነድ ኣየቕረበትን።
ጀኒፈር እንተድኣ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ፡ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዳ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ምጽራይ ገበን ፍሊፒንስ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ድሕሪ ማእሰርታ፡ ነቲ ዕሸል ናብ ኣመሪካ ክትወስዶ ዘክእል ፍቓድ ከምዘለዋ ብምግላጽ ሰነድ ኣቕሪባ እያ።
እቲ ሰነድ ግን ናይቲ እሸል ኣደ ዝፈረመትሉ ኣይነበረን ተባሂሉ።