ሕሱም ጽልኢ ዝወለዶ ጃምላዊ ቅትለት ኒውዝላንድ

ድሕሪ እቲ ዘሰምብድ ተረኽቦ መጥቃዕቲ ኒውዝላንድ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንስድራ መወትትን መቕርብን የጸናንዑ።

ኣብ ኒውዝላነድ፡ ኣልኑር ኣብ እተባህለ መስጊድ፡ ኣብ እዋን ስግዳን፡ ሓደ ጸሊም ክዳን ዝለበሰ ዕጡቕ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፤ ኣድራጋ ተኹሲ ብምኽፋት ኣስታት 50 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ: ዓለም በቲ ፈጻሜ ሰንቢዳ ነቲ እኩይ ተግባር ኮኒናቶ።

ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ነበርቲ ኒውዝላንድ ከኣ፡ ነቲ ኢሰብኣውን ጨካን ፍጻሜን ብምቅዋም ንስድራ-ቤት መወትትን መቕርብን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኸቲ የመሓላልፉ ኣለው።

ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ከተማ ክራይስትቸርች፡ ንትሽዓተ ዓመት ዝተቐመጠት፤ ሞያዊት ስነ-አእሙሮ ራሄል ዋሲሁን፡ ኣብታ ሰላማዊት ከተማ ከምቲ ዓይነት ሽግርን ቅዝፈት ርእያ ከምዘይትፈልጥን ኣዝያ ከምዝሰንበደት ትገልጽ።

ናብ ስርሓ እናኸደት ጽዑቕ ምንቅስቓስ ኣምቡላንስን መካይን ፖሊስን እኳ እንተረኣየት፡ ክሳብ ኣብ ስርሓ እትበጽሕ እንታይ ከምዘጋጠመ ኣይፈለጠትን።

በቲ ፍጻሜ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ መንገድታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ተዓጽዩ፡ ኩሉ ኣኣብ ዘለዎ ክጸንሕ እዩ ተነጊሩዎ። ኣብታ ኸተማ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ውጥረት ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ እምነት ዋላ ሓደ ጣልቃ ዝኣቱ ኣይነበረን።

"ህዝቢ ኒዉዚላንድ ኣዚዩ ተሓባባሪ ህዝቢ'ዩ" እትብል ራሄል። ኣብ ክራይስትቸርች ልዕልነት ጸዓዱ ዘንጸባረቕ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ትሰምዕ እኳ እንተነበረት ናብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይነበረ ትገልጽ።

ኒውዝላንድ ሰለማዊ ሃገር ምዃኑ ዝገልጽ መርሃዊ ወልደሚካኤል (ኣቤኔዘር) እውን በቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ኣዚዩ ከምዝጎሃየ ይሕብር። ኒውዝላንድ ብዙሕ ገበን ዘይረኣየላ። ካብ ገልጠምጠም ዓለምና ዝረሓቐት ርግእቲ ሃገር ምዃና'ዩ ዝዝረበላ።

ኣብ ኒውዚላንድ ወላ'ኳ ብረት ምዕዳግ ዝፍቀድ እንተኾነ፡ ብረት ሒዙ ዝዛወር ሰብ ኣይትርእይን ኢኻ። ፖሊስ'ውን እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ/ሓሙሽተ ዓመት እዩ ብረት ንኽሕዙ ተፈቒድሎም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም እተራእየ እቲ ቀታሊ፡ ነንዝረኸቦን ዝረኣዮን እዩ ዝትኩሰሉ ነይሩ። ነቲ ስእሊ ዝረኣየ ሰብ ከኣ ኣብ ስንባደ እዩ ዘሎ። "ኣብቲ መስጊድ ዜጋታትና ከም ዝነበሩ እፈልጥ ኢየ - ሕማቕ ከይሰምዕ ከኣ ከብደይ ሓቚፈ ኣለኹ ይብል።

ዶ/ር ብርሃን አሕመድ ካብ መልቨርን፡ "እቲ ዜና-ቅትለት ኒውዝላንድ ዝሰማዕኩሉ ለይቲ፡ ሓደ ካብዞም ኣኣብ ሳሎንና ኬይንና ነቲ ዘሕዝን ቅትለት ዝሰማዕና ሰባት፡ ኣብኡ እንተንህሉስ እንታይ ኮን ምበልና ክብል ሰለም ኣየበልኩን" ብምባል በቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ከምዝጎሃየ ብምግላጽ ንስድራ-ቤት መወትቲ ጽንዓት ተመንዩ። ነብሲ ወከፍ ኮሚዩኒቲ ከኣ ካብ ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ክርሕቅን ብዝኾነ ምኽንያት ዝፍጠር ሓድሕዳዊ ጥርጣረ ንከወግድ ክጽዕር ጸዊዑ።

ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደፈረ ክዳውንቱ ብደም ዝተዓለሰ ውጻእ መዓት: ናይ ዓይኒ ምስክር: እቲ ዕጡቕ ንሰባት ብጨመተ ክቐትል ከምዝረኣየን ኣስታት 60 ሰባት ከምዝተጎድኡን ገሊጹ። እቲ ዕጡቕ " ጠያይት ወዲኡ እዩ ዝኸውን" ክብል ንማዕከን ዜና TVNZ ሓቢሩ። ሽዑ ሓንቲ ነገር ጥራሕ እየ ገይረ፡ " ጎይታ በጃኻ ነዚ ሰብ ጠያይቱ ኣወድኣዮ" ኢለ ጸልየ ብምባል እቲ ኣብ እዋን ጭንቂ ብልቡ ዝበሎ ኣካፊሉ።

እቲ ዕጡቕ ፈለማ ኣብቲ ሰብኡት ዝሰግድሉ ዝነበሩ ክፍሊ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣካይዱዎ፤ ብድሕሪ ከኣ ናብቲ ኣንስቲ ዝሰግዳሉ ቀጺሉ። ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር እውን ነቲ ቐዳማይ ዝበሎ ብምድጋም ናብዝን ናብትን እናኸደ ሰባት ቀቲሉ "ሓንቲ ሰበይቲ እውን ክትሰሓግ ሰሚዐያ" ዝበለ ምስክር ዓይኒ፤ ሰባት መሳኹቲ እናሰበሩ ይሃደሙ ምንባሮምን ግን ዛጊት ሓዉ ምስ ህሉዋት ድዩ ምስ ምውታት ከምዘይፈለጠ ሓቢሩ።

ካብቲ ሓደጋ፡ ተሓቢኡ ብህይወት ዝተረፈ ካልእ ሰብኣይ፡ "እቲ ቐታሊ፡ ኣይሞቱን ኢሉ ንዝሓሰቦም ሰባት ድማ ደጋጊሙ እናተኮሰ ክቐትሎም ጀሚሩ። ሓደ ሰብ እኳ ብህይወት ከትርፍ ኣይደለየን'' ክብል ንራድዮ ኒውዚላንድ ገሊጹ።

ሓያሎ ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኒውዝላንድ ብምኹናን ንስድራ መወትትን መቕርብን ጽንዓት ተመንዮም።