እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሳዋ ዝወሃብ መበል 12 ክፍሊ ትምህርቲ ክቋረጽ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይካኣሎ ሳዋ፡ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተማሃሮ ንለበዳ፡ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ #EndHighSchoolInSawa ዝብል፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ከብቅዕ ጎስጓስ ይገብሩ ኣለው።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ፤ ሕጂ ኣብ ስደት ዝነብር ኣቶ መስፍን ሓጎስ'ውን ነቲ ጻውዒት ተቓውሞ: ዘለዎ ደገፍ ብቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሳዋ ተረኺቡ ነቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይካኣሎ ትምህርቶም ዘጠናቐቑን ወተሃደራዊ ስልጠናን ዝወድኡን መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሞያዊ ስልጠና ክከታተሉ ዝጸንሑ ተማሃሮ ሃማሞስን መሪቑ ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ እቶም ተማሃሮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ዘይምግባሮም ነቲ ብኮቪድ ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋን ዝጸንሐ ሻቕሎት ነዳዲ ወሲኹሉ ኣሎ።
መዛዘሚ ዓመት፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ክቕጽል ኣለዎ ዝብሉ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ምስ ዝመጹ መዛኑኦም ስለ ዝራኸቡ ባህሊ ሃገሮም ክፈልጡን ሓድነቶም ከትርሩን ከም ዝሕግዞም ይገልጹ።
ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብሕጋዊ ኮነ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተመልሱ ዝርከቡዎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ተደኲነን ኣብ ዝርከባ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ ኣስታት 306 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድእ።
ዛጊት ካብቲ ኣብ ዓለም ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እቲ 5% ጥራይ ካብ ኣፍሪቃ ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ብሰንኪ እኹል መመርመራታት ዘይምክያድን፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ዘይምሃብን ተሸፊኑ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢንተርናሽናል ረስኪዩ ኮሚተ የጠንቅቕ።
ኣብ ኤርትራ ካብ ዓመተ 2003 ጀሚሩ፡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታልን ናይ 2ይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ንምውሳድን ካብ መላእ ሃገር ናብ ሳዋ ክኸዱ ይግደዱ።
ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከኣ ንከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ዝዘልቕ ክልሰ ሓሳባውን ግብራውን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወሃቦም።
ኣብቲ ዝወሃቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና፡ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተማሃሮ ትምህርቶም ንምክትታል ናብ ኮሌጃትን ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሳዋን ክምደቡ እንከለው፤ እቶም ዘይሓለፉ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት፡ ህዝባዊ ትካላትን፡ ትካላት ህግደፍን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙይምደቡ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ፡ ኤርትራ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናብ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት እትወስደሉ መገዲ ምዃኑ ከሲሱ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግና ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተናዊሑ እንተኾይኑ፡ ብምርጫ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን። ኣህጉራዊ ሕጋጋት ብዝጠሓሰ ዓማጺ ኣካል ተስገዲዱ እዩ። ስርዓተ ምክልኻል ኤርትራ ንግዳማዊ ኣካላት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክጠሓስ እንከሎ ሸለል ንዝበሉን ዘጽቀጡን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን እዩ" ኢሉ።
ለብዘበን ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ፈለማ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ናብ ሳዋ ክኸዱ ተሓቢርዎም ከም ዘሎ ምንጪታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣቶ መስፍን ሓጎስ እንታይ እዩ ኢሉ?
ኣቶ መስፍን ንተመረቕቲ 11 ክፍልን ወለድን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ወሪዶም ትምህርቶም ክዛዝሙ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ብቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ዝሓለፉ መንእሰያት፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ተሞክሮ ኣብዞም ናእሽቱ አሕዋቶም ንከይድገም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓስ ይገብሩ ከም ዘለውን ከም ዘሞግሶምን ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ'ውን ነቲ "ኣበጊሶምዎ ዘለው ጎስጓስ ግብራዊ ደገፍ ንምሃብ መንእሰያት ተማሃሮ 11 ክፍሊ፡ ነዚ ስርዓት ኢሳያስ ዘውጽኦ ትእዛዝ ክትነጽግዎ፡ ወለዲ ድማ ጥዕናን ድሕነትን ደቅኹም ብምቕዳም ውሳነ እዞም ዕሸላት ደቅኹም ኣኽቢርኩም ክትሕብሕብዎም ኣጥቢቐ እላቦ" ኢሉ።
ኣቶ መስፍን ነዚ ጻውዒት ከቕርብ ዘገደዶ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ "ኣብ ሳዋ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኮነ ኣብቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ተዓለምትን ተማሃሮን ዘስካሕክሕ በደላትን ግፍዕታትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ክፍጸሙ ጸኒሖም ኣለው" ብምባል እዞም ሎሚ ብሳዋ ዝሓለፉ መንእሰያት ብማሕበራዊ ሚድያ ዘጋውሕዎ ዘለው ዘሕዝንን ከብድኻ ዝበልዕ ዘቐንዙ ተመኩሮ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኩነታት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራን ለበዳ ኮሮናቫይረስን
ኣብ ኤርትራ፡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ - ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ተቛሪጹ።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብ28 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ከኣ ንኩነተት ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኤርትራ "ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል" ኩነታት ከም ዘይበጽሐ ብምግላጽ ተማሃሮ 11 ክፍልን ኮሌጃትን ትምህርቶም ክቕጽሉ ወሲኑ።
በዚ ድማ፡ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ካብ 6 ሓምለ፡ ተማሃሮ ኮሌጃት ድማ ካብ 13 ሓምለ ጀሚሮም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱን ነቲ ዓመተ ትምህርቲ ክዛዝምዎን መምርሒ ኣመሓላሊፉ።
ገለ ንጡፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ግና፡ መንግስቲ፡ ንተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ጻውዒት ምምሕልላፉ ንቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ናብ ሳዋ ክወስዶም ስለዝደለየ እዩ ኢሎም ክነቕፉ ጸኒሖም።
እቶም ዝተረፉ ተማሃሮ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ክጅምሩ ምዃኖም'ውን ተገሊጹ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ መኣዲ ትምህርቶም ኣይተመለሱን ኣለው።
ገለ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ተማሃሮ፡ ምስ ትምህርቶም ዝተሓሓዝ ቪድዮታት ብፍላሽ ዲስክ ከም ዝወስዱን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከምዝርእዩዎን ይገብራ ከም ዘለዋ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድ።
ቅድሚ ኮቪድ ምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለያ ኮሌጃት ዝመሃሩ ተማሃሮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ላዕልን ታሕትን ዓራት ከምዝድቅሱ ብምሕባር፡ ሕጂ ተመለሱ ምስተባህሉ እቲ ምትእኽኻብ ንሓደጋ ከየቃልዖም ስግኣት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህቶም ክምለሱ ይሕተት እኳ እንተሎ፡ እቶም መንግስታት ኮነ ምኒስትሪታት ትምህርቲ ኩሉ ነገር በቲ ሞያውያን እቲ ዓውዲ ዝሓቱዎን ዝመኽሩዎን፡ ብማሕበራዊ ምፍንታት ከምዝግበር እዩ ዝነገር ዘሎ።
ኣብ ኤርትራ ግን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣሻሓት ተማሃሮ 11 ክፍሊ ዝእከቡሉ ትምህርትን ታዕሊምን ዝከየደሉ ቦታ ምስ ምትእኽኻብ ሓደጋ ለበዳ ከየጋጥም እቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ስግኣት አሕዲሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ንቢቢሲ ሓቢሮም።