ስምምዕ ሰላም ዝፈጸማ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀጥታዊ ርክብ ቴሌፎን ጀሚረን

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ዝጸንሐ ሓርፋፍ ርክባተን ንምምሕያሽ ኣብ ስምምዕነት ዝበጽሓ ሃገራት እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣገልግሎት ቀጥታዊ ርክብ ቴሌፎን ጀሚረን።

ብዛዕባ’ዚ ዝወጸ መግለጺ ከምዝብሎ፡ ድሕሪ’ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ቴሌፎን ብምድውዋል ሰላምታ ተለዋዊጦም’ዮም።

ነቲ ብኣሸማጋልነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እዩ ብሓሙስ ብወግዒ ገሊጽዎ።

እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዓረባዊት ሃገርን ዝተገበረ 3ይ ስምምዕ እዩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ስጉምቲ ብጽቡቕ መንፈስ ተቐቢልዎ። እንተኾነ፡ ፍልስጤም፣ ኢራንን ቱርክን ግን ነቲ ስጉምቲ ኮኒነንኦ።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ወጢናቶ ዝነበረት መሬት ናይ ምልቃብ መደባት ኣወንዚፋቶ ኣላ።

ምስ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ መዘንኡ ብቴሌፎን ዝተዘራረበ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጋቢ ኣሽኬናዚ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትዊተሩ ከምዝጸሓፎ፡ ክልቲኦም ወገናት ቀጥታዊ ርክብ ቴሌፎን ክጅምሩን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክራኸቡን ተዛራሪቦም እዮም።

ሚኒስተር መራኸብታት እስራኤል ዮኣዝ ሄንደል ብወገኑ “ሕዚ ብዙሓት ቁጠባዊ ዕድላት ክኽፈቱ እዮም፤ እዞም ምትእምማን ዝፈጥሩ ስጉምትታት ድማ ኣገደስቲ እዮም” ኢሉ።

ክልቲኤን ሃገተት ነቲ ዝበጽሐኦ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክፈራረመኦ እየን። እቲ ስምምዕ ምምሕያሽ ርክባት፡ ምኽፋት ኤምባሲታት’ውን ዝሓውስ እዩ።

እተን ሓድሽ ርክብ ዝጀመራ ሃገራት፡ ብቀዳም፡ ምስ ምርምር ኪቪድ-19 ዝተሓሓዝ ስምምዕ’ውን ፈጺመን።

ክሳብ እዚ እዋን፡ እስራኤል ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣይነበራን። እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘለወን ሓበራዊ ሻቕሎት ግን ዘይወግዓዊ ርክባት ክገብራ ጸኒሐን እየን።

እዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕነት ንመራሕቲ ፍልስጤም ኣደንጽዩዎም እዩ። ውሃቢ ቃል ናይ ፕረዚደንት መሓመድ ኣባስ፡ እቲ ስምምዕ ምስ “ክሕደት” ዝዳረግ እዩ ኢልዎ።

እስራኤል ኣብ 1948 ከም ናጻ ሃገር ካብ ትቐውም ኣትሒዙ፡ ምስ ክልተ ሃገራት ዓረብ ጥራይ እያ ስምምዕ ሰላም ፈሪማ፤ ብ 1979 ምስ ግብጺ፡ ብ 1994 ድማ ምስ ዮርዳኖስ።

ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብን ኣባል ሃገራት ሊግ ዓረብ ዝኾነትን ማውሪታንያ’ውን ኣብ 1999 ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ጀሚራ ነይራ። እንተኾነ፡ ርክባተን ኣብ 2010 ተበቲኹ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካልኦት ሃገራት ዓረብ’ውን ምስ እስራኤል ስምምዓት ክፍጽማ ትጽቢት ከምዝገብር ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ድማ፡ ንገለ ክፋላት ምዕራባዊ ገማግም ናብ እስራኤል ንምውሕዋስ ዝነበሮ ውጥን ከምዝወንዘፎ፡ እንተኾነ እዚ ውጥን መሊኡ ዝተገደፈ ከምዘይኾነ ገሊጹ።