ብሓገዝ ኢማራት ዓረብ ዝተሃንጸ መዘናግዒ 'ፓርክ' ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሪቑ

ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነጸ፡ 'ሓድነት' ዝተሰምየ ማእኸል መዘናግዒ (ፓርክ) ሎሚ ተመሪቑ።

እቲ ምእኸል፡ ብ5 ቢሊዮን ብር ዝተሃነጸ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዝተረኸበ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይገልጽ።

ኣብዚ መዘናግዒ፡ ታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን ባህላውን መስሕባት እዮም ንምርኢት ቀሪቦም ዘለዉ።

ካብ መንጎ እቶም ታሪኻዊ ተባሂሎም ዝተጠቐሱ መስሕባት፡ መንበርን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዝሓለፉ ነገስታት ኢትዮጵያ ይርከቡዎም።

እዚ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንህዝቢ ክፉት ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ መዘናግዒ፡ ኣብ ልዕሊ 40 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ዝተሃንጸ እዩ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ማእኸል፡ መዕቆቢ እንስሳታት'ውን ኣሎ ተባሂሉ።

ቀለብ ናይዞም እንስሳታት ዝዳለወሉን፡ ሕክምና ዝረኽብሉን ቦታታት'ውን ኣካል ናይቲ መካነ-እንስሳታት እዩ።

እቲ መካና-እንስሳታት ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕዳር 2012 እዩ ስራሕ ክጅምር ተባሂሉ።

ዝተፈላለዩ መዕረፊ ኣጋይሽን ቅርጻ ቅርጽን'ውን ይርከቦ።

ኣብቲ መዘናግዒ፡ ባህሊ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝንጸባረቐሉ ቦታ እውን ተሃኒጹ'ሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንኢትዮጵያ ዝገዝኡ ገለ መራሕቲ።

እዚ ኣሰራርሓ ገዛ፡ ባህልን ኣነባብራን ዝተፈላለዩ ብሄራት ኢትዮጵያ ዘርእይ እዩ።

ካብ መጻኢ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ፡ ንህዝቢ ክፉት ክኸውን እዩ። ዑደት ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት፡ 200 ብር ወይ ድማ ብፍሉይ (ቪኣይፒ) ሓደ ሽሕ ብር ከፊሎም ኣብቲ መናፈሻ ዑደት ክገብሩ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።