ጭርጭር ዓበደ፡ ዕርቃኑ ወጺኡ ጸሓይ ዝጽሎ ዝነበረ ሰብኣይን ሰላሕታ መፋልስን

ምንጪ ስእሊ, Adele landauer
ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ሓደ መናፈሲ ከተማ በርሊን፡ ሓደ ሰብኣይ ምስ ተፈጥሮ ክመሳሰል ብምድላይ፡ ከምታ ዝተወልዳ፡ ጥራሕ ነብሱ ጸሓይ ክጽሎ ይወጸልኩም።
'ክልተ ነገር ደሊኻ ኣይከውንን'ዩ' ክብሉ ሰሚዕኩም ትኾኑ። ከምኡ ምግባሩ ከይኣኽሎ ድማ፡ ጸሓይ እናተጸልወ ክሰርሕ ግዲ ወጢኑ፡ ላፕቶፑ (ኮምፒዩተር) ተማሊኡ ነበረ።
ኣብቲ ከባቢ ምስ ደቃ እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሓንቲ መፍለስ'ዶ ትብልዋ ሓሰማ በረኻ፡ ሰብ ግዲ ዘይመሰላ ኮይኑ ጽግዕ ትብሎ።
እታ ሓሰማ በረኻ፡ ከምቲ ንሱ ናብ ተፈጥሮ ክምለስ ጥራሕ ነብሱ ዝነበረ፡ ንሳ'ውን ካብ ስልጣነ ወዲ ሰብ ክትካፈል ግዲ ደልያስ፡ ነታ ላፕቶፕ ሒዛ ዝነበረት ሕብራዊት ብጫ ሳንጥኡ ምንጥል ኣቢላታስ ምርቅፍ።
ወዮ ሕጊ ተፈጥሮ ዝጠሓሰ ሰብኣይ፡ ነዛ ሕፍረቱ ቆጽሊ ከየንበረላ፡ ከምታ ዝተወልዳ ደድሕሪ'ታ እንስሳ ክጎዪ ጀሚሩ።
ኣብቲ ከባቢ ክናፈሱ ዝመጽኡ ብዙሓት ሰባትን ስድራቤታትን ነይሮም- ምስ ክዳኖም!
ኣደለ ላንዱር፡ ተዋሳኢትን ኣሰልጣኒት ምንባረ-ሂወትን (ሂወት እውን ንኽትነብራ ስልጠና የድልያ'ዩ) ኣብቲ ቶፍልሲ ዝተባህለ ፍሉጥ መጽለዊ ጸሓይ፡ ነቲ ህደም-ኣርክብ ብካሜራኣ ስኢላ "ጸረ-መጥቃዕቲ ተፈጥሮ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ፈይስ ቡክ ለጢፋቶ። እቲ ዛንትኡ ዝንገረሉ ዘሎ ሰብ ቅጭጭ ከምዘይበሎ እውን ተዛሪባ።
እቲ ንሕፍረቱ ዓለባ ይኹን ቆጽሊ ዘየንበረላ ሰብኣይ "ናይ ዘለዎ'ዩ ጎዪ" ድሕሪ ምባላ፡ "ነቲ ስእሊ ምስ ኣርኣኹዎ፡ ኪርኪር ኢሉ ብምስሓቕ፡ ንህዝቢ ክዝርግሖ ኣፍቂዱለይ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Adele landauer
ወ/ሮ ላንዱር ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝጸሓፈቶ ርእይቶ ድማ፡ እቲ ፍጻመ፡ ዕላማኻ ንምዕዋት ዝግበር ተወፋይነት ዘርኢ ኣብነት'ዩ ትብል።
ንሳ ከምዝበለቶ፡ እታ ሓሰማ በረኻን ደቃን፡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝመጽእሉ እዋን፡ ብዙሓት ጥራሕ ነብሶም ኮይኖም ጸሓይ ዝጽለው ሰባት ምንባሮም ተዛሪባ።
እቲ ሰብኣይ ጥራሕ ነብሱ ጸሓይ እናተጸልወ እንከሎ፡ እታ መፍለስን ደቃን ብሰላሕታ ናብኡ ብምቕራብ፡ ኣብ ቦርስኡ ንዝነበረ ፒሳ በሊዖሞ።
ብድሕሪኡ፡ ዲዘርት ግዲ ደልዮም ሃሰስ ክብሉ፡ ሓደ ብጫ ቦርሳ ረኺቦም ተማሊኦሞ ከይዶም። እታ ቢጫ ቦርሳ፡ ናይቲ ሰብኣይ ላፕቶፕ ዝሓዘት እያ ነይራ። ወዮ ሰብኣይ ቁሊሕ እንተበለስ፡ እታ ሓሰማ ላፕቶፑ ሒዛ ክትምርቀፍ ኣስተውዒሉ።
"ስለዚ፡ ኣቓልቦኡ ከይተዘርገ፡ ንብረቱ ንምምላስ ደድሕሪ እቶም መፋልስ ጎይዩ" ክትብል ጽሒፋ ወ/ሮ ላንዱር።
ነዚ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ተናፈስትን ተጸለውቲ ጸሓይን፡ "ኣተኵሮኡ ክሳብ ክንዲ'ቲ ንጹር ምንባሩ ፈትዮሞ፡ ደድሕሪ እታ ሓሰማ ጎይዩ ነታ ብጫ ቦርሳኡ ሒዙ ምስ ተመልሰ ድማ ኩላትና ኣጣቒዕናን፡ ዓወት ብምጭባጡ ዮሃና ኢልናዮን" ትብል።
ኣብ ጀርመን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ተፈጥሮኣውነት ባህሊ ኣሎ። ኣብ ዝኾነ መናፈሲ ቦታ፡ ሰባት ክዳውንቶም ኣውጺኦም ጸሓይ ክጽለዉ ምርኣይ ልሙድ'ዩ።
እቲ ፍጻመ"፡ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ንዓለም ዘዛረበ፡ ዛንታ ሓንቲ ናይ ከተማ ወኻርያ እዩ ኣጋጢሙ። እታ ወኻርያ፡ ሰባት ኣብ ኣፍደገ ገዛውቶም ንዝገደፍዎ ጫማታት ብምእካብ ኣብ ዓለም ኣድናቖት ኣትሪፋ ቀንያ ነይራ።
ኣብዚ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዕጽዋታት ዝተኣወጀሉ እዋን፡ እንስሳታት ዘገዳም ናብ ከተማታት ክኣትዉን፡ ኣብ ጎደናታት ሸናዕ ክብሉን ተራእዮም እዮም። ድሮ ድማ መፋልስ ኣብ ንሓደ ሓደ መናፈሲታት ከተማ በርሊን ማሕድሮኦም ገይሮሞም ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







