ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 9 ሰባት ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

መለሰ ዲሪብሳን ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማን

ጋዜጠኛ ኦ-ኤም-ኤን (ኦሮሚያ ሜድያ ኔትወርክ) መለሰ ዲሪብሳን ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማን ዝርከብዎም 9 ሰባት ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣራዳ፡ ኣብ ክሲ መዝገብ እኒ ጪብሳ ዓብዱልከሪም ዝርከቡ ተኸሰስቲ ብዋሕስ ክወጹ አዚዙ።

እቶም ተኸሰስቲ ፈጺሞምዎ ንዝተብሃለ ገበን መረዳእታ ስለዘይቀረበ ብ 3000 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ጠበቦም ኣቶ ከድር ቡሎ ተዛሪቡ።

ኣብ መዝገብ በዓል ጪበሳ አብዱልከሪም፡ ጋዜጠኛ ኦኤምኤን መለሰ ዲሪብሳን ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማን ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ይርከቡ።

ንሳቶም፡ ኣስከሬን ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ናብ ኣምቦ ይውሰድ ኣብዝነበረሉ እዋን ብሓይሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ኣብ ምግባርን ዓሌታዊ ጎንጺ ኣብ ምልዓል ተሳቲፎምን ብዝብል እዮም ተኣሲሮም።

ብተወሳኺ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት'ውን ብ4000 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍትሑ እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣባላት ስድራ እቶም ተከሰስቲ ናይ ዋሕስ ገንዘብ ንምኽፋል ይጓየዩ ኣለዉ" ዝበለ ኣቶ ከድር፡ ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣኽቢሩ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፈትሖም ይግባእ ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, "ወደይ ፈራሕ ሰብ እዩ ኣሕዲጉኒ" ወላዲ ሃጫሉ ሁንዴሳ