ዝሕቆን ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ክዓልብ እዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፈኲስን ማእከላይን ብረት ዝዓጠቑ፡ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ምሊሻን ኣብ ከተማ መቐለ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዶም።

እቲ ምርኢት ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ምፍጣጥ "ንዝኾነ እንተታት ተዳሊና ኣሎና" ንምባል እንተዘይኮይኑ ምስ ዝኾነ ሃገራዊ ኮነ ህዝባዊ በዓል ዝተኣሳሰር ምርኢት ኣይነበረን።

ሓለፍቲ ጸጥታ ትግራይ እውን "ምእንቲ ሰላም ዋጋ ክንከፍል ድሉዋት ኢና" እዮም ኢሎም።

'ሰላም ብሰልፊ ብረትን ወተሃደራዊ ሓይልን ክረጋገጽ ይኽእል ድዩ?' ክብሉ ሕቶ ዘልዕሉ ኣለዉ።

"ትማሊ እውን ብምልኪ ንዝደሃኸና ስርዓት ደርጊ ብሓይሊ ብረት ስዒርና ኢና መሰልና ኣረጋጊጽና" ዝብል ምላሽ'ውን ይወሃብ ኣሎ።

እዚ ወተሃደራዊ ምርኢት መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሐን ዘሎን ወጥሪ እዩ ዝመስል።

መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብጉዳይ ሃገራዊ ምርጫ "ይጽናሕ'ዶ ይገበር" ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስተሰሓሓቡ እዮም።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ዓቕልና ደረት ኣለዎ፡ ኣዴታት ከይነብዓ፡ መሰረተ ልምዓት ከይተዓናቐፍ መንእሰያት ከይሞቱ' ምስ በለ፡ ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ ንኣብነት ስየ ኣብርሃ "ዝኾነ ሰብ ኲናት ክጅምር ይኽእል እዩ። ግን እቲ ኲናት መን ከምዝውድኦ ኣይፍለጥን እዩ" ክብሉ ምላሽ ሂቦሙሉ።

ክልቲኦም ሓይልታት ከኣ፡ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ኣብ ናይ ቃላት ኩናት ተጸሚዶም ጸኒሖም።

ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ንመዓስከር ሳዋ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ንኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ምስ ከደ፡ ምስቲ ኣብ ምቕባል ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ "ወያነ ጌም ኦቨር" ዝበለን ኣብ ቃለ መሕትቱ፡ 'ነቲ ለውጢ ንድሕሪት ክጎቱ ዝደልዩ ሓይልታት ስለዘለው ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን ኢና' ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ በጺሑ። ብዙሕ ትርጉም ድማ ተዋሂብዎ።

ኣብ ሳልስቱ ከኣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ኩነታት ንመናውራ ድዩ ወይስ ናይ ብሓቂ ደበና ኩናት የንጸላሉ ኣሎ'ዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ።

እንተኾነ ዶክተር ኣቢይ ኣስመራ በጺሑ ምስተመልሰ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት "ንትግራይ ክንወግእ ሓሳብ የብልናን። ከምኡ ምሕሳብ ናይ ዕብዳን ዘረባ እዩ" ክብል ነቲ ቅድሚኡ 'ኣዴታት ከይነብዓ' ዝበሎ ዘረባ ዝኽሕስ ዝመስል ምላሽ ሂቡ።

ኪኖኡ ከይዱ እውን "ህዝቢ ትግራይ ንዶክተር ደብረጼን ሓግዝዎ፡ ንሕና ምስ ውሑዳት ብበደሎም ዝሕተቱ ወራሕቲ ህወሓት 'ምበር፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህወሓት ጸገም የብልናን" ኢሉ። እቲ ምላሽ ግን ንፖለቲከኛታት ትግራይ ዘዕገቦም ኣይመስልን።

መንግስቲ እቲ ክልል "ዝኣኽለንያ ጥሒነንስ በኣለማርያም ይብላ" ብምባል፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ 'ጉጅለ' እናበሉ ዝጽውዕዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከም ዝኣወጀ ገሊጹ።

ብቕጽላት እምበር ብስም ዘይረቑሖም፡ "ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዘይናቶም መሬት ብነፍጢ ንምውራር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ዝኣወጁ ኣለው" ክብል ድማ ገሊጹ።

እዚ ዘረባ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፡ ንዝተውሃበ መግለጺ ዝምልከት እዩ ዝመስል።

ፕሬዝደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን፡ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን እዋናት ንዘመናት ብሓባር ዝነበሩ ብስጋን ደምን ዝተኣሳሰሩ "ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ናብ ጎንጺ ንክኣትው ብትግራይ ንኣምሓራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ዝተፈላለዩ ጎንጺ ዘልዕሉ ተግባራት ይፍጸሙ ኣለው'ዯም" ኢሉ ነይሩ።

እዚ "ነገር ምጽሕታር ኣደብ ንክትሕ ዝምልከቶም ኣካላት ክግንዘቡዎን ናይዚ ክልል ዝኾነ ዓይነት ዓርስኻ ናይ ምክልኻል ተግባራት ህዝቢ ክድግፎምን" ይጽውዕ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ' ኣዛብእ ቀትሪ'፡ 'ጸጉረ ልውጥ'፡ 'ነፍጠኛታት'፡ 'ሓይልታት ትምክሕቲ' 'ባንዳታት' ብዝብል ላቔባ ቅጽላት ምዝንጣል ይቐጽል እዩ ዘሎ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብዚ ዞባ እዚ ደበና ኩናት ከይጽሒ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣሓዲሩ ኣሎ።

ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ ባይታ

ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ኣመዓባብላን ኣፈጣጥራን ሃገረ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ሕልኽላኽ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝተፈላለየ ብሄርን ህዝብን ዝበቖሉ ነገስታት ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለየ ተረኽ እዮም ስሞም ዝለዓል።

ነቲ ሓደ ጅግና ዝኮነ ንጉስ፤ ነቲ ካልእ ከም ከሓዲ እዩ ዝቑጸር።

ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ፡ ማለት'ውን ካብ ንግስነት ሃጸይ ቴድሮስ ጀሚሩ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ክሳብ ሃጸይ ሚኒሊክ ዘሎ ዘመን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ስምምዕ የለን።

ዘበናዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣርን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራትን ብብዙሓት ዝነኣድን ዝምስገንን ንጉስ ሃይለስላሰ እውን እንተኾነ፡ ንመባእታዊ መሰላት መላእ ኢትዮጵያ ረጊጹ፡ ብኣምሓራዊ ዕብለላ ከመሓድር ፈቲኑ ተባሂሉ እውን ይንቀፍ እዩ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ክውህለል ብዝጸንሐ ቅሬታ ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

"ኢትዮጵያ ትቅደም!" ብዝብል ጭርሖ ሓንቲ ኢትዮጵያ ክምስርት ዝሃቀነ 'ምልካዊ' ስርዓት ደርግ እውን፡ መጠን ዘይብሉ ደም ኣፍሲሱ፡ ህዝቢ ኣበሳቢሱ፡ ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ሕሱም ህይወት፡ ብደሞክራሲያዊ ሓይልታት ለውጢ ተቓለስቲ ውድባት ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ተገሊፉ።

እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዓሌታዊ ግጭትን ዕግርግርን፡ ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ዜጋታታ ሓባራዊት ቤትን መሬትን ገይርካ ካብ ዘይምርኣይ ዝመጽአ እዩ ዝመስል ይብል ተኸታታሊ ፖለቲካ እቲ ዞባ፡ ኣቶ ደስበለ መሓሪ።

ኣብ ምእላይ ስርዓት ደርግ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፡ ምስ ሰለስተ ውድባት ተሻሪኹ ብዘቖሞ ልፍንታዊ መንግስቲ ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራሊዝም መስሪቱ ንኢትዮጵያ ን27 ዓመታት መሪሑዋ።

እቲ ስርዓት፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ርኡይ ዕብየት እንተመጸአ'ኳ፤ ትካላት ድሕነትን ጸጥታን ዓብሊሉ ተባሂሉ እዩ ዝውቀስ።

እንተኾነ ብጉድለት ሰናይ ምሕደራን ሰኣን ህንጸት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ክውህለል ብዝጸንሐ ህዝባዊ ቅሬታ ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ [ኦሆዴድ]ዝነበረ ዶ/ር ኣቢዪ ኣሕመድ ነቲ ብነፍሱ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ፡ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኪኡ ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚኒሰተርን ኮይኑ።

ኣብቲ ከይዲ፡ ገለ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ኢህወዴግ ኣፍሪሱ ድማ፡ ህወሓት ዘይብሉ ምስ ክልተ ኣሓት ውድባት፡ ካልኦት'ውን ሓዊሱ ሰልፊ ብልጽግና መስሪቱ፤ ወራሲ ኢህወዴግ ኢሉ ይመርሕ ኣሎ።

ህወሓት ግን ኢህወደግ ዝፈረሰሉ መገዲ ዘይሕጋዊ ምዃኑን፡ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ፓርቲ ኣብ ስልጣን ከምዘሎን እዩ ዝገልጽ።

ይኹን እምበር፡ ባይቶ ፈደሬሺን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስግኣተ ለበዳ ኮሮና እቲ ዝመርሕ ዘሎ ሓይልታት ክሳብ እቲ ስግኣት ዝእለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ወሲኑ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ እዋን ለውጥን ሕጅን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ 'ፍቕርን ዕርቅን'ዩ መገዲ ድሕነት' ብምባል ልቢ ህዝቢ ማሪኹ ነይሩ።

ወጥሪ ኵናት ዶባት 20 ዓመት ኢትዮ ኤርትራ፡ "ዶባት ጽልኢ ካብ መዳፍዕን ሚሳይልን ብዝሕይን ኣጽዋር ፍቕሪ ተሳዒሩ ኣሎ" ብምባሉ ይርሓሰና ተባሂሉ።

ግን ኣይደንጎየን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ህዝባዊ ኣኼባ፡ "ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናይ ጸልማት ግዜ እዩ ነይሩ" ጸኒሑ ድማ "ናይ ቀትሪ ኣዛብእ' ብዝብል ጽልኢ ዘንጸባርቕ ዘረባ ምስተዛረበ፡ እቶም 'ሃገር መድሓኒ ረኺባ' ብምባል ዝደገፉዎ ሰባት ሰጋእ መጋእ ክብሉ ተራእዮም።

ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንሓያሎ ብዝነበሮም ስልጣን ተጠቒሞም ንነብሶምን ስድራቤቶምን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ አሀብቲሞም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ዕድመ ዝደፍኡ ገዳይም ተጋደልቲ ብጥሮታ ኣፋንዩዎም።

ገለ ካብኣቶም ግን ሕጋውን ዘይሻራውን ቤት ፍርዲ ኣቚምና ክሳብ ሸውዓተ ወለዶና ክንጸባጸብ ድልዋት ኢና። ዝሰረቐን ዘጠፋፍአን እንተሎ ብሕጊ ክሕተት ጸገም የለን ዝብል ምላሽ ዝሃቡ ኣለው።

ሰብኣዊ ግህሰት ብምፍጻሙ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ክሕተት ኣለዎ ንዝበሃል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነበር፡ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ግን ክሳብ ሕጂ፡ ኣረክቡና - ኣይነረክብን ብዝብል ምስ ህወሓት ገና ኣብ ምፍጣጥ ኣለው።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝተፈጸም ዕርቀ ሰላም፡ ነቶም ኣብ ኩናት ዶባት (1998-2000) መቐናቕንቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ብይን ኮሚሽን ዶባት 'ብዘይ ቅድም ኩነት' ከይትግበር ዝሓንገዱን ፖለቲከኛታት ህወሓት ስለዘይሓቖፈን ምሉእ ሕድገትን ዕርቅን ስለዘይተገብረ ኣብ ብዙሓት ስክፍታ ፈጢሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተኸስተ፡ ገሊኡ ብፈተነ ዕልዋ ዝተገልጸ ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጄነራላትን ብነብሰ ቕትለት ዝተነግረ ሞት ኢንጂነር ስመኘው፤ ሕጂ ድማ 'ሃገራዊ ምርጫ፡ ይገበር'ዶ ይናዋሕ' ብዝብል ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውድባት ብቐንዱ ከኣ ምስ ህወሓት ዘጋጠመ ምፍጣጥ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክሕቆን ጸኒሑ።

ዓሌታዊ ወጥሪ ኣብ ውሽጥን ወጻእን

ብሞት ውሩይ ተወላዲ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ማእሰርቲ ስሙያት ፖለቲከኛታት ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፣ ልደቱ ኣያሌውን ካልኦትን ነቲ ወጥሪ መሊሱ ኣዕሪጉዎ ኣሎ።

ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ኦሮምያን፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተወለዐ ኾይኑ፡ ናብ ዓሌታዊ ጎንጺ ከየምርሕ ስግኣት ጸኒሑ ኣሎ።

መንእሰያት ኦሮሞ ነቲ ተወዳዲቦም ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ስልጣን ዘምጽኡዎ ስርዓት ብተመሳሳሊ ናዕቢ ከይኣልዩዎ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ተዓጽዩ፡ ሓያልታት ጸጥታ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዝነበሩ እዩ ዝንገር።

ነቲ ተቓውሞ ሰፊሕ ሽፋን ዝህባ ዝነበራ፡ ክልተ መንግስታዊ ሚድያታት ትግራይን ኦኤምኤንን ሓዊሱ፡ ኣርባዕተ ሚድያታት እታ ሃገር'ውን ተዓጽየን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ንመንግስቲ ኣቢዪ ዝቃወሙን ዝድግፉን ኢትዮጵያውያን ህዝባዊ ሰልፊታት እንተካይዱ፡ ኣብ ለንደንን ሃረርን ምስ ስርዓት ሃይለስላሰ ዝተኣሳሰር ሓወልቲ አዕንዮም ኣለው።

ኣብቶም ድምጽታት ተቓውሞ፡ 'ኣብዪ ካብ ስልጣን ይተኣለ' [Abiy_must_go] ዝብል ጎስጓስ'ውን ብሰፊሑ ተወዓዊዑ ይርከብ።

'ኣቢዪ ኦሮሞ ኣይኮነን' ክሳብ ምባል ዝበጽሑ'ውን ኣለው። ዶክተር ኣቢይ ንባዕሉ 'ኦሮሞነተይ ዘሕድገኒ የሎን' ክብል መሊሹ።

ኩሉ ዝፍጸም ነገራት ኣብ ሰዓቱን እዋኑን ሰለዘይቃላሕ ሰላም ዝተመልሰ ክመስል ይኽእል'ዩ።

ኣብቲ ንሰለስተ ሰሙን ኢንተርኔት ዝተዓጸወሉ እዋን ግን፡ ኣብ ባይታ ግጭት ከም ዝነበረ'ዩ ዝንገር።

ስግኣት ደበና ኩናት

ሓያሎ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን፡ እዚ ንኣስታት ሓምሳ ዓመት ኣብ ግጭትን ኩናትን ዝጸንሐ ህዝቢ ዳግም ሞትን ውርደትን ስደትን ዕንወት ክርኢ ግቡእ ስለዘይኮነ፡ ነብሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ካብ ጎንጽን ግጭትን ክሕየብ ይጽውዑ ኣለው።

"ኲናት ብወረ ክትሰምዖን ብኣካል ክትውዕሎን ነንበይኑ እዩ። ኲናት ኣብ ቤትካ ኣብ ገዛኻ ክመጽእን ኣብ ማዕዶ ኣብ ጎረቤትካ ክትርእዮ ፍልልይ ኣለዎ። ብኲናት ሓውኻ፡ ሓፍትኻ፡ ወይ ደቅኻን ኣዝማድካን ክትከፍልን ኣብ ቴለቭዥን ወይ ኣብ ማዕከናት ዜና ከም ፊልም ክትርእዮን ሓደ ኣይኮነን" ዝብል ኤርትራዊ መጎስ ብርሃነ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ወረ ኩናት ክሰምዕ ከም ዘይደሊ ይዛረብ።

ነቲ ከባቢ ብቕርበት ዝከታተሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሚር እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ።

"ኲናት ሰላሳ ዓመት ናጽነት ክዛዘም ኣብ ምጉባዘይ ኣርኪበሉ። ኩናት ዶባት ከኣ ብኣካል ተሳቲፈዮ - ክንደይ መሪር ርእየ" ስለዚ ሕጂ ኣብ ጎረቤተይ ኮነ ኣብ ቤተይ ወረ ኩናት ክሰምዕ ኣይደልን እየ" ይብል።

ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ በዓል ጀዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ምስ ተኣስሩ፡ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ኣቱም ብማዕዶ ኮይንኩም ንዑ ንሰልፊ ውጽኡ እትብሉ ሰባት፡ እቲ ዓውደ ኲናት ኣብዚ ዓዲ ስለዝኾነ መጺእኩም ተዋግኡ፡ ኣብዚ ኮይንኩም ሙቱ። ንስኻትኩም ኣብ ጥጡሕ ቦታ ኮይንኩም፡ ንሰባት ንቅድሚት ኣሕሊፍኩም ተዋግኡ፡ ሙቱልና ክትብልዎም ኣይግባእን'ዩ' ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

"ማንም ሰብ፡ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ መስመሩ ይዝንብል'ዩ" ይብል መጎስ።

ኣብ ታሪኽ እቶም ንስልጣን ዝወዳደሩ ሓይልታት ነታ ንዘለኣለም ዘይቅመጡላ መንበር ደምን ኩናትን ክኣጉዱ ተራእዮም።

ዕድመ ደፊኦም ሸምጊሎም ከብቅዑ፡ "ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ" ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ምስ በጽሑ እውን ገሊኦም ብሓይሊ ብምልኪ፡ ገሊኦም ከኣ ንቅዋምን ሕገ መንግስትን ብዝጥዕሞም እናመሓየሹ " ስልጣን ወይ ሞት" ዝብሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ትማልን ሎምን ብዙሓት እዮም።

ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሂወት ሰብ ዝጣልዑ መለኽቲ ዝፍጠሩ።

እቲ ሓደ ዋሕስ ህዝቢ እዩ - ህዝቢ ከኣ 'ኣይፋል ንኩናት፡ ሕራይ ንዘተን ልዝብን' ክብል ንቕሓት የድልዮ- ይብሉ እቶም ተዓዘብቲ።