እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ፈላማይ መደብ ምምዕባል ኒዩክለር ጀሚራ
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ፈለማይ ዝኾነ ኒዩክለራዊ ጸዓት ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ ምምዕባል ከምዝጀመረት ዕላዊ ገይራ።
እቲ ኒዩክለር ዝምዕብለሉ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ኣብ ጥቓ ምስታ ኣብ ወጥሪ ዝተመስረተ ርክብ ዘለዋ ሃገረ ኳታር [ቀጠር] ምዃኑ ድማ ኣካታዓይ ገይርዎ።
ኣብ'ዚ ‘ባራካህ’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ማእከል ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ 'ሪኣክተራት' ኑክሌር፡ ሓዲኡ ስርሑ ጀሚሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እቲ ዝጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ድማ፡ ናይ ደቡብ ኮርያ እዩ ተባሂሉ።
እዚ ማእከል፡ ኣብ 2017 ክጅምር ሓሳብ እንተነበረ’ኳ፡ ምስ ከባብያዊ ውሕስነናን ድሕነትን ብዝተኣሳሰር እዩ ተደናጒዩ።
እዛ ብተፈጥሮ ነዳዲ ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ሃገር፡ ተማዕብሎ ዘላ መደብ ኑክሌር ንጸዓት (ሓይሊ ኤሌክትሪክ) ከም እትጥቀመሉ እዩ ዝግለጽ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ፡ እታ ሃገርሳተላይት ምርምር ናብ ማርስ ዝለኣኸት ኮይና፡ እዚ ብምግባር’ውን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓደን ፈላሚት እያ።
ስግኣታትን ጥርጣረታትን
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ጸሓይ ዝርከብ ሓይሊ [ሶላር ፓወር] ድማ ተማዕብል ዘላ ኾይና፡ እዚ ድማ ተመራጺ ምንጪ ሓይሊ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።
እቲ ሕዚ ክተማዕብሎ ጀሚራ ዘላ ‘ባራካህ’ ዝብል ስያመ ዝረኸበ መደብ ግና፡ ጥርጣረታት ይፈጥር ኣሎ።
ባራካህ ብዓረብኛ ብሩኽ ዝብል ትርጉም እንተሃለዎ’ኳ፡ ምሁራት እቲ ዓውዲ፡ ኣብዚ ብፖለቲካዊ ወጥሪ ዝሕመስ ዞባ፡ እዚ ዓይነት ኑዩክሌር ምጅማር ስግኣት ዝፈጥር እዩ ይብሉ።
እኳ ደኣስ፡ እቲ ካብ ተፈጥሮ ዝርከብ ንጹህ ሓይሊ ኣብ ምምዕባል በርቲዓ እንተትሰርሕ ኣዝዩ ተቐባልነት ምሃለዎ ክብሉ ይምጉቱ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፤ ቀጠር፡ እዚ መደብር ኒዩክሌር፡ ‘ናይቲ ዞባ ሰላምን ከባብያዊ ጥዕናን ዝዘርግ ውዲት እዩ’ ክትብል ከሲሳ ነይራ።
ቀጠር፡ ቀንዲ ተነሓናሒት ናይተን ነቲ ዞባ ክዕብልላ ዝደልያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን እያ።
ካልእ ኣብዚ ወሽመጥ ዘላ ሃገር ኢራን ድማ፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ኣብ ወጥሪ ዝተመስረተ ርክብ ዘለዋን ብኣመሪካ ኣብ ዓይኒ ዝኣተወትን ሃገር እያ።
ሓላፊ ዓለማዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ኒዩክሌር ዝኾነ፡ ዶ/ር ፖል ዶርፍማን፡ ኣብዚ ዞባ ሓይሊ ኒዩኩሌር ምምዕባል ካብ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ሓደገኛ ከምዝኸውን ጽሒፉ ነይሩ።
'ሳኒ ጅማሮ'
መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እቲ መደብ ምምዕባል ኑክሌር፡ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሳይንሳዊ ምርምር ንእተርእዮ ዘላ ዝላ መርኣያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ማእከል፡ ብምትሕብባር 'ኒዩክሌር ኢነርጂ ኮርፖሬሽን ኢሚሬትስ' ከምኡ ድማ 'ኮርያ ኤሌክትሪክ ፖወረ ኮርፖሬሽን' እዩ ተሃኒጹ።
ዓለማዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ (IAEA) ድማ፡ ናይቲ መደብ ምጅማር ዓብዪ ዓወት ክብል ናእድኡ ገሊጹ።
“እዚ ኣብ ምፍጣር ዕዳጋ ንጹህ ሓይሊ ናይ መጀመርታን ኣገዳሲን ዕቤት እዩ። IAEA ካብ መጀመርትኡ ጀሚሩ ኣብ ጎኒ እታ ሃገር ኮይኑ ክሕግዝን ክድግፍን ጸኒሑ እዩ” ኢሉ።
መራሒ ኣቡ ዳቢ፡ ልዑል መስፍን ቢን ዛይድ ኣል-ናህያን፡ ጸዓት ብቐጻልነት ኣብ ምርካብ ዓብዪ ስዳሮ ክብል፡ ናይ ‘እንኳዕ ደስ በለኩም’ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።