እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ነቑጣ መወንጨፊ ሮኬት ከተዕኑ ጀሚራ
ሰሜን ኮርያ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ`ታ ሃገር ዝርከብ ሶሃይ ቀንዲ ናይ መወንጨፊ ሮኬት ነቑጣ ከተዕንዎ ዝጀመረት ትመስል።
ካብ`ቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ 38 ኖርዝ ዝበሃል ተኸታታሊ (ሞኒተሪን) ጉጅለ ዝተረኽበ ምስሊ ሳተላይት ከምዘርእዮ፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ንኣሜሪካ ዝኣተወትላ ቃል ተኽብር ዘላ ትመስል።
ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡንን ንሓደ ብልክዕ ዘይተገልጸ ናይ መፈተኒ ነቑጣ ከዕንውዎ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ነይሮም።
ሰሜን ኮርያ እቲ ናይ ሶሃይ ነቑጣ ናይ ሳተላይት መወንጨፊ ምዃኑ`ያ ክትገልጽ ጸኒሓ። ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ግን እቲ ነቑጣ መፈተኒ ተወንጨፍቲ (ባሊስቲክ ሚሳይላት) ምዃኑ ይጥርጥሩ።
ኣብ`ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ዝገበረዎ ታሪኻዊ ርክብ፡ ፕረሲደንት ትራምፕን ኪም ዮንግ ኡንን `ንሓውሲ-ደሴት ኮርያ ካብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምንጻህ` ዘኽእሎም ውዕል ፈሪሞም ነይሮም።
እንተኾነ ግን ሰሜን ኮርያ መዓስን ብኸመይን ኑክሌራዊ ኣጽዋራታ ከምእተዕኑ ዝርዝር ብዘይምሃባ እቲ ውዕል ተወቒሱ ነይሩ።
እዚ ምዕናው ናይ ሶሃይ መፈተኒ ነቑጣ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ እዋን`ቲ ናይ 12 ሰነ ዝኣተወቶ ቃል ብሓቂ ከተኽብሮ ድያ ዝብል ጥርጣረታት ኣብ ዝዛየደሉ እዋን`ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ሰሜን ኮርያ ተወንጨፍቲ ከምዘይወንጨፈት ብምግላጽ፡ ብምዕባለ ዝምድናታት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን `ብጣዕሚ ሕጉስ` ምዃኑ ፕረሲደንት ትራምፕ ብሰኑይ ገሊጹ።
እዚ ዘረባ`ዚ ድማ ነቲ ኣቐድም ኣቢሎ ንሰሜን ኮርያ ካብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምንጻህ ዝተቐመጠ `ናይ ጊዜ ገደብ የለን`፡ ከምኡ ንምግባር`ውን ዘህውኽ ነገር የልቦን ዝበሎ ስዒቡ`ዩ መጺኡ።
ጸብጻባት ምብልጻግ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት
ብመሰረት ልሒኾም ዝወጹ ምስጢራውያን ጸብጻባት ትካላት ስለያ ኣሜሪካ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ናይ ምስራሕ መደባታ ብምስጢር ትቕጽሎ`ላ።
እታ ሃገር እቲ ኣብ ዮንግብዮን ዝርከብ ወግዓዊ መማዕበሊ ኑክሌራ ተመሓይሾ ከምዘላ`ዮም`ቶም ጸብጻባት ዘመልክቱ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ዘለዉ መማዕበሊ ነቑጣታት`ውን ተዕብዮም (ኣፕግረይድ ትገብሮም) ከምዘላ`ውን`ዩ ዝግለጽ።
ዋላ`ኳ እቶም ጸብጻባት ብዘይሻራውነት ክረጋገጹ እንተዘይከኣሉ፡ ሓቅነት ከምዘለዎም ግን ንሰሜን ኮርያ ብዝከታተሉ ኣካላት ተረጋጊጹ`ሎ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝገበረቶ ናይ መወዳእታ ፈተነ ኑክሌር ወሲኽካ፡ ሰሜን ኮርያ ዛጊት ሽዱሽተ ናይ ኑክሌር ፈተነታት ኣካይዳ`ላ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናይ ኑክሌር መደባታ ብፍጥነት ኣማዕቢላ`ያ፡ ንኣህጉር ኣሜሪካ ክበጽሑ ዝኽእሉ ክፍለ-ዓለማዊ ባሊስቲክ ተወንጨፍቲ ኣማዕቢላ ከምዘላ`ውን ትገልጽ።