እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ኢማራት፡ ኣብ ገንኢ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ብመንግስታዊ ኣካል' እዩ ኢላ
ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ገንዲ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ብመንግስታዊ ኣካል' ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ንቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ።
እቲ ግንቦት 12 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝረቐቐን ዝተዋደደን ከም ዝኾነ እያ እታ ሃገር እትገልጽ።
ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ መራኽብ ስዑድ ዓረብን ኖርወይን ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፤ እታ ሃገር ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዘሎ ግን ኣይገለጸትን።
መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኢራን ከም ዘዋደደቶ ዝገለጸ እንትኾን፡ ኢራን ግን ነቲ ኽሲ ኣይተቐበለቶን።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ሓንቲ መርከብ ኖርወይ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝነበረን ኣብ ክልተ መራኽብ ልዑል ጉድኣት ከም ዝበጽሐን ገሊጺም።
ኣማኻሪ ጸጥታ መንግስቲ ኣመሪካ ጆን ቦልተን፡ ኣብ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ከም ዘላ ይገልጽ። ኣመሪካ ብወገና ኣብ ልዕሊ ፈተውታ ናይ ዝካየድ ወፍሪ ኣካል ገይራ እያ እትሪኦ።
ዩናይትድ ዓረብ ኢምሬትስ ኣብ ዘካየደቶ ምርመራ፡ ኣብቲ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ፡ ውሽጢ ንውሽጢ ዝኽዳ መራኽብን ሓምበስትን ከምዝተሳተፉ ትገልጽ።