እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
20 ዘይሕጋውያን ጀላቡ ስደተኛታት ሒዘን ናብ ዓባይ ብርጣንያ ኣትየን
ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ሰባት ጽዒነን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዋ ዝሓሰባ ጀላቡ ከምዝሓዘ ገሊጹ።
ሓንቲ ካብተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጽዓና ጀላቡ ኣብ ጥቃ መመንጨዊ ኑክለሳዊ ጽዓት ዱንግነስስ ተጸጊዓ ከምዝተታሕዘት ፖሊስ ኬንት ሓቢሩ።
ፖሊስ ፈረንሳ ብወገኖም፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ዝነበሩ 58 ዘይሕጋውያን ሰባት ከምዘድሓኑን፡ ኣብታ ሓንቲ ጃልባ ሽዱሽተ ህጻናትን ክልተ ኣካላዊ ስንክልና ዝነበሮም 20 ሰባት ከምዝነበሩን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ 20 ጀላቡ 202 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብርጣንያ ከምዝኣተዉን እዚ ቁጽሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ዝተመዝገበ ምዃኑ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።
ክልተ መራኽብ ሓለዋ ዶብ ተዋፊረን ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዝሓዘኦምን፡ ሓለዋ መመንጨዊ ኑክለሳዊ ጽዓት ዱንግነስስ ምስ ሓለዋ ዶብ ብምዃን’ውን ነቶም ናብቲ ጥቃ እቲ መመንጨዊ ጽዓት ዝቐረቡ ስደተኛታት ከምዝሓዝዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብዛ ገና ዘይተወደአት ዓመተ 2020 ጥራይ፡ ኣስታት 3,400 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ክኣትዉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝኣተዉ እዮም።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስ ፕሊፕ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሓሙስ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃላ፡ “ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ቁጽሪ! ክትቕበሎ ዘሸግር ብዝሒ እዩ” ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ፡ ሰብ መዚ ፈረንሳ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይሰግሩ ይኽልክልዎም ምህላዎም ብምጥቃስ “ልዕሊ እዚ ግን ክስራሕ ኣለዎ” ኢሉ።
“ነተን ጀላቡ ሒዝካ ናብ ዝመጽኦ ምምላስ ዝብል ዝርከቦ ተረረርቲ ሕጋጋት ኣብ ተግባር ምውዓል ከድልየና እዩ፡ ንመንግስቲ ፈረንሳ ድማ ሓቢርናዩ ኣለና” ኢሉ።
ብሓሙስ ሓሙሽተ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ሓደጋ ምጥሓል ዝነበርት ንእሽተይ ጃልባ’ውን ብሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ኣብ ገማግም ካላይስ ከምዝድሓነት ፈረንሳ ሓቢራ ኣላ።