እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣይቮሪኮስት ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒሰተር መዚዛ
ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳን ኳታራ፡ ንሚኒሰትር ምክልኻል እታ ሃገር ሓማድ ባካዮኮ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገይሩ ሸይምዎ።
ሓማድ ባካዮኮ፡ ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ኣማዴ ጎን ኮሊባሊ ሓሚሙ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝነበረሉን ድሕሪ ሞቱን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ሰሪሑ ነይሩ’ዩ።
ፕረዚደንት ኣላሳን ኳታራ፡ ሓማዳ ባካዮካ ጎኒ ጎኒ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኮይኑ ተመዚዝዎ ዘሎ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ሚኒስትሪ ምክልኻል’ውን ከምዝመርሖ ሓቢሩ’ሎ።
ሓማድ ባካዮኮ፡ ድሕሪ ሞት ኮሊባሊ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ መሪሑ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝወዳደር ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ እታ ሃገር፡ ነቲ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ኳታራ ኣብቲ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር እኳ እንተሓተቶ፡ እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ውሳኒኡ ከምዘፍልጥ እዩ ሓቢሩ ዘሎ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተቃወምቲ ሰልፍታት ግን እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኳታራ፡ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ቅዋም እታ ሃገር ስለዘይፈቕደሉ፡ ክወዳደር እንተወሲኑ ብምጥሓስ ቅዋም ከምዝኸስዎ’ዮም ዝሕበሩ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ኳታራ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ድሌት ከምዘይብሉን፡ ስልጣኑ ንሓድሽ ወለዶ ከረክብ ደሉው ምህላውን ገሊጹ ነይሩ’ዩ።