እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እግሪ ጎማ ነፋሪት ተሓቢኡ ናብ ፈረንሳ ዝተጓዓዘ ኣፍሪቃዊ ቆልዓ ሞይቱ ተረኺቡ
ካብ ኣቢጃ ናብ ፓሪስ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት ጎማ ዝተሓብአ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ እታ ነፋሪት ምስዓለበት ሞይቱ ተረኺቡ።
መገዲ ኣየር ፈረንሳ ከምዝሓበሮ "ኣስከሬን ናይቲ ተሓቢኡ ይጓዓዝ ዝነበረ ቆልዓ" ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ዴ ጉለ እዩ ተረኺቡ።
ጎማ ናይታ ነፈርቲ ተዓጺፉ ኣብ ዝኣትወሉ ክፍሊ ነፋሪት ከምዝተረኸበ'ውን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ጉዳይ ድማ ምጽራይ ይካየድ ኣሎ።
ኤይር ፍራንስ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "እቲ መገዲ በቲ ዝተፈጠረ ዘሕዝን ኩነታት፡ ሓዘኑን ስንባድኡን ይገልጽ" ኢሉ።
እቲ ቆልዓ ኣፍሪቃዊ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ'ሎ።
ሰሉስ ምሸት ካብ ኣቢጃን-ኣይቮሪኮስት ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኤይር ፍራንስ፡ ትማሊ ረቡዕ'ያ ናብ ፓሪስ-ፈረንሳ ኣትያ።
ኤኤፍፒ ካብ ድሕነት ኣይቮሪኮስት ዝረኸቦ ምንጪ "ካብቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ክስተት ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሕስነት መዕርፎ ነፈርቲ ዓብዪ ክፍተት ከምዘሎ ዘርእይ እዩ" ምባሉ ጸብጺቡ።