እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
8 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ጋቦን ክሳተፉ’ዮም
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ናይ ቅድድም ብሽክለታ ብመንጽር ዘለዎም ደረጃ 2.1፡ ዙር ጋቦንን ዙር ርዋንዳን ኣብ ቕድሚት ዝስርዑ ውድድራት እዮም።
ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 26 ጥሪ ንሸውዓተ መድረኻት ዝካየድ መበል 15 ዙር ጋቦን፡ 1035 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ካብ ከተማ ቢታመ ተበጊሱ ኣብ ከተማ ሊብረቪል ክዛዘም እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዳዊት የማነ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሮቤል ሚኪኤል፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን መኽሰብ ደበሳይን ተወኪላ ኣብዚ ውድድር ከም እትሳተፍ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2020 ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።
ኣብዚ ውድድር ናትናኤል ብርሃነ ምስ ጋንታ ኮፊደስ ሶሊሽንስ ክረዲት ከምኡ እውን ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቬንስ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ስለዝሳተፉ ቁጽሪ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኤርትራውያን ናብ ሸሞንተ ክብ ኢሉ ኣሎ።
ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2014 ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ዩሮፕካር ብምዃን ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ እቲ እንኮ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ እዩ፡ ሎሚ ዓመት ኸኣ ምስ ጋንትኡ ኮፊደስ ብምዃን ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ነቲ ውድድር ይምለሶ ኣሎ።
ምስ ጋንታ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቬንስ ኮይኑ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ተረቊሑ ዘሎ ቢንያም ግርማይ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዝተሳተፈሉ ንሳልሳይ መድረኽ ክዕወተሉ ከምዝኸኣለ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፣ ኣልጀርያ፣ ቡርኪና ፋሶ፣ ካሜሮን፣ ጋቦን፣ ኣይቮሪኮስት፣ ሞሮኮን ርዋንዳን ብደረጃ ሃገር፡ ከምኡ እውን ፕሮፈሽናል ጋንታታት ኮፊደስ፣ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ፣ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቬንስ፣ ባይ ሲስካል ፔትሮ ድ ሉንዳ፣ ፕሮ ቴክ፣ ናቹራል ፎር ኤቨርን ዱክላ ባንስካ ባይስትርካን ክሳተፋ እየን።
ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ
2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ
2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን
2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ
2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2011- ፈረንሳዊ ፍንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ