ውድብ ጥዕና ዓለም እገዳታት ዘላሕልሐ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቑ

ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነተን ብምኽንያት ኮቪድ 19 ኣንቢረንኦ ንዝነበራ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ዘላሕልሐ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ለበዳ ከብእሶ ከምዝኽእል ብምሕባር ሃገራት ኣፍሪቃ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ጾዊዑ።

ዞባዊት ዳይረክትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ “ኩሉ ሰብ ድሕነቱ ክሳብ ዝረጋገጽ ኩልና ድሕነትና ውሑስ ኣይኮነን” ብምባል ማዕዳኣ ለጊሳ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ኣስታት 800,000 ኣብ ዝበጽሓሉ ገለ ሃገራት ኣንቢረንኦ ዝነበራ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ከፍኩስኦ ይርኣያ ኣለዋ።

ሞሮኮ ትርከበን ገለ ሃገራት ግን ነቲ ኣላሕሊሐነኦ ዝነበራ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ዳግማይ ኣተኣታትየነኦ ኣለዋ።

ዞባዊት ዳይረክትር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞኦት ብሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ምብጽሑ እዛ ኣህጉር ኣብ ዝኸፈአ ጥርዚ ምብጽሓ ዘርኢ’ዩ” ኢላ።

ንሳ ብምስዓብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ 75 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሒዘን ከምዘለዋ’ውን ሓቢራ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ናይጀርያ፡ ኣልጀርያን ሱዳንን ብቅደም ተኸተል እተን ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉወን ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።

ኮሮና