ህንዲ፡ "ልዕሊ ፍርቂ ነበርቲ ሻውላት ሙምባይ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም"

ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ሰለስተ ሻውላት ከተማ ሙምባይ ዝርከቡ ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።

ካብቲ ሻውላት ወጻኢ ግን 16 ሚእታዊት ጥራይ እዮም፡ ንመልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተቓሊዖም።

እቲ ውጽኢት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣብቲ ሰብ ብጻዕቒ ዝነብረሉ ቦታታት፡ ኣብ 7000 ሰባት ብዝተገበረ መርመራ እዩ፡ ሓፈሻዊ ስእሊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እታ 12.5 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣ ከተማ ሙምባይ፡ ክሳብ ትማሊ 28 ሓምለ 110 ሽሕ ነበርቲ ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት 6,187 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ ኣላ።

እቲ ብምምሕዳር እታ ከተማ ኣብተን ሻውላት ዝተኻየደ ዳህሳስን መጽናዕትን፡ 57 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ሻውላት ቸምቡር፤ ማቱንጋን ዳሂሳርን ዝነብሩ፡ ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ከምዝተረጋገጸ ይሕብር።

ኣብዘን ኣብ ምዕራብ፡ ምብራቕን ማእከላይን ሸነኻት ከተማ ሙምባይ ዝርከባ ሰለስተ ሻውላት፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ህዝቢ እዩ ዝቕመጥ።

ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ተመራመርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ውጽኢት፡ እዚ ሕማምኣብታ ድሮ ኣዝያ ተጠቂዓ ኣላ ክትባሃል ዝጸንሐት ከተማ ሙምባይ፡ መጠን መልክፍቲ ልዕሊ እቲ ተገሚቱ ዝጸነሐ ሱር ሰዲዱ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ተመራመርቲ እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ስታስቲካዊ ቅኑዕነት ዘለዎን ወካልን ምዃኑ እዮም ዝጠቕሱ።

ሓደ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ዶክተር ኡላስ ካልትሁር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እዘን ዝመረጽናየን ሰለስተ ቦታታት ኣቐዲመን ልዑል መጠን መልከፍቲ ኣመዝጊበን ዝጽንሓ እየን፡ እቲ መጽናዕቲ ድማ ኣብዘን ሻውላትን ኣብ መዳውብተንን፡ ከምኡ’ውን ሰብ ብጻዕቒ ኣብ ዘይነብሮ ቦታታት ኢና ኣካይድናዮ፡ ኣብዘን ሻውላት ዝረኽብናዮ ውጽኢት ድማ ዘሰንብድ እዩ”ኢሉ።