እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣፍጋኒስታን 29 ሰባት ቀቲሉ
እስላማዊ ጉጅለ [ዳዕሽ] ፡ ሓላፍነት ዝወሰደሉ፡ ጃላበድ ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ከተማ፡ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ 29 ሰባት ተቐቲሎም።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 1000 እሱራት ከምልጡ ከምዝተርአዩ ድማ ተሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ዝተፈጸመ ኾይኑ፥ መጀመርታ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ነታጒ ዝጸዓነት መኪና ተፈንጂራ-ተባሂሉ።
እቶም ሸሞንተ ነቲ መጥቃዕቲ ዝወደቡ ዕጡቓት፡ ንዳርጋ 20 ሰዓታት ምስተዋግኡ ኩሎም ከምዝተቐትሉ'ውን ወሃቢ ቃል ናንጋርሃር ናይ ዝተብሃለት ግዝኣት ተዛሪቡ።
ዛጊድ ብርክት ዝበሉ እሱራት ኣሰሮም [ሃለዋቶም] ኣይተፈልጠን።
ካብቶም እሱራት፡ ጣሊባንን ተጋደልቲ እስላመዊ ጉጅለን ከምዝርከብዎም፤ ኣባላት ጸጥታ ንኤኤፍፒ ገሊጾም።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ 1793 እሱራት ዝነበሩ ኾይኖም፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈነወ ብትኽክል ንመን ናጻ ንምውጻእ ዝዓለመ ከምዝነበረ ዝተገልጸ ነገር የለን።
ናይታ ግዝኣት ወሃቢ ቃል ከምዝተዛረቦ፡ 1025 ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጡ እሱራት ተታሒዞም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተመልሱ እንትኾኑ፡ 430 ሽዑ ንሸዑ ተታሒዞም፤ ልዕሊ 50 ሰባት ድማ ከምልጡ ቆሲሎም ተባሂሎም።
እንተኾነ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ከምዝተቐትሉን ዝተረፉ እቶም እሱራት ዝርከብሉ ኩነታትን ብዝምልከት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ቅድሚ'ቲ መጥቃዕቲ
እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ጣሊባንን መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ምስተፈረመ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እዩ።
ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ገለ እሱራት ታሊባን ድማ፡ ከም ቅድመ ኩነት'ቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ተፈቲሖም ነይሮም።
ተዋጋእቲ ጣሊባን፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ እንተኾኑ'ኳ፡ ምስ እስላመዊ ጉጅለ ድማ ከምዘይሳነዩ እዩ ዝዝረብ።
እቲ መጥቃዕቲ ግና፤ ካብ ናቶም ጉጅለ ከምዘይኮነን ሓላፍነት ከምዘይወስዱን ኣፍሊጦም እዮም።
ብካሊእ ወገን፡ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኤጀንሲ ስለላ ኣፍጋኒስታን፡ ኣሳዱላህ ኦራክዛይ ዝተብሃለ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ እስላማዊ ጉጅለ ምቕታሉ ምስ ኣፍለጠ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ተፈጺሙ።
ናንጋርሃር እስላማዊ ጉጅለ ዝዕንድረላ ግዝኣት ኣፍጋኒስታን እያ። ርግጽ፡ ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን፡ እታ ግዝኣት ኣብ ቁጽጽሮም ከምዝኾነት እዮም ዝዛረቡ።
እታ ግዝኣት፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ዝፍጸመላ ከባቢ እያ።