ቤት ፍርዲ ካናዳ፡ ኣሜሪካ ንሓተትቲ ዑቑባ ‘ውሕስቲ’ ኣይኮነትን ኢሉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፡ ኣሜሪካ፡ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ትግህስ ኣላ ብምባል፡ እቲ ምስ ኣሜሪካ ንስደተኛታት ዝምልከት ዝነበረ ውዕል ካብ ሕጂ ንንዮው ውዱቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣሜሪካን ካናዳን ንኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ኣመልኪተን ኣብ 2004 ዝተፈራረመኦ ውዕል፡ ‘ኤስቲሲኤ’ ዝብሃል ኮይኑ፡ ስደተኛታት ኣብታ ኣቀዲሞም ዝረገጽዎ ሃገር (ኣሜሪካ ወይ ካናዳ) ሕቶ ዑቑባ ከቕርቡ ዝብል እዩ።

እቲ ብሮቡዕ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ዝተውሃበ ውሳነ ግን፡ ኣሜረካ ካብዚ ስምምዕ ወጻኢ ንሓተትቲ ዑቑባ ትኣስር ኣላ ብምባል እዩ ነዚ ውሳነ እዚ ኣሕሊፉ።

እዚ ውሳነ እዚ ከኣ ካናዳ ኣብ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ዘለዋ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ጠበቃታት ናይቶም ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ብኣሜሪካ ዝተመለሱ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ 2004 ዝፈረመቶ ‘ኤስቲሲኤ’ ዝባሃል ውዕል ከምዘይትምእዘዞን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ውሕስቲ ከምዘይኮነትን እዩም ናብ ቤት ፍርዲ ብምቅራብ ገሊጾም።

ነዲራ ጀማል ሙስጣፋ ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ስደተኛ ኮይና ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ንበይና ተኣሲራትሉ ዝንበረት “ዘፍርሕን ኣእምሮኣዊ ነውጺ ዝፍጥርን’ዩ” ብምባል እያ ምስክርነታ ነቲ ቤት ፍርዲ ሂባ።

ፕረዚደንት ማሕበር ጠበቃታት ሓተትቲ ዑቑባ ካናዳ ማውሪን ሲልኮፍ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን እትገብሮ ኩሉ ንፈልጦ ኢና” ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ ካናዳን ኣሜሪካን 8891 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ እዩ ዘለወን፡ እዚ ድማ ካብ ዓለም ዝነወሐ ዶብ ክልተ ሃገራት እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2017 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ሓዲሽ ፖሊሲ ስለዝተኣታተወ ኣስታት 58 ሽሕ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ካናዳ ከምዝሰገሩ’ዩ መንግስቲ ካናዳ ዝሕብር።