ጣልያን፡ ኤርትራውያን ንዝርከቡዎም 180 ስደተኛታት ካብ መርከብ ተቐቢላ

ጣልያን፤ ኤርትራውያን ንዝርከቡዎም ካብ ባሕሪ ሜድትራንያን ዝደሓኑ 180 ስደተኛታት ናብ ሃገራ ክኣትዉ ፈቒዳ።

እቶም ስደተኛታት፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ውሽጢ ብኤስኦኤስ ሜድትራኔ እትንቀሳቀስ "ኦሽን ቫይኪንግ" ዝተባህለት ናይ ድሕነት መርከብ ሰንፈላል ኮይኖም ዝቐነዩ እዮም።

እቶም ስደተኛታት ሎሚ ሰኑይ ካብታ ናይ ድሕነት መርከብ ናብ ናይ መንግስቲ መርከብ ዝተሳገሩ ኮይኖም፡ ኣብ ሲሲሊ ን 14 መዓልቲ ክውሸቡ እዮም።

እቶም ስደተኛታት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም እዩ። ውጽኢቶም ድማ ሎሚ ክግለጽ ትጽቢት ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ፓኪስታን፣ ኤርትራን ናይጄርያን ምዃኖም ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ገማግም ሊብያ ነንበይኖም ዝተበገሱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ 25 ክሳብ 30 ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን እታ ናይ ድሕነት መርከብ ዝረኸበቶም እዮም።

ካብቶም ስደተኛታት፡ እቶም 25 ትሕቲ ዕድመ እዮም። መብዛሕተኦም እቶም ትሕቲ ዕድማ ቆልዑ ድማ፡ ንበይኖም ዝጓዓዙ እዮም።

ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታት፡ ሓንቲ ጥንስቲ'ውን ትርከቦም።

እታ መርከብ፡ ነዞም ስደተኛታት ኣብ ጣልያን ወይ ማልታ ክተራግፎም ክፍቀደላ እያ ክትጽበ ጸኒሓ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ 110,000 ስደተኛታት ንባሕሪ ሜድትራንያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኮይኖም፡ እቶም 1,200 ድማ ሞይቶም።