ክልተ ወርሒ ኣብ ባሕሪ ዝገበሩ ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣስታት 270 ዝኾኑ ስደተኛተት ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ብማዕበል ተደፊኣ ናብ ማእከል ውቅያኖስ ብምእታዋ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከይተጸገዐት ሓያሎ ሳምንታት ዝገበረት'ያ።

እቶም ካብ ሚያንማር ተፈናቒሎም ናብ ባንግላድሽ ዝኣተዉ ሮሂንጃውያን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ደቡብ ባንግላድሽ ከም ዝነቐሉ ጸብጻባት ገሊጾም። ዕላማ ጉዕዝኦም ናብ ማሌዥያ ንምእታው'ዩ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ሓለዋ ባሕሪ ማሌዥያ፡ ነታ ጸገም ዘጋጠማ ጃልባ ምስ ረኸቡዋ፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ብምዝላል ናብ መሬት ክሃድሙ ተራእዮም። እንተኾነ ግን፡ ከይሰለጦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮሂንጃውያን ብሓገዝ ኣሰጋገርቲ ናብ ማሌዥያ ከም ዝኣተዉ ይንገር።

ይኹን 'ምበር እታ ሃገር፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ስደተኛታት ምቕባል ኣቋሪጻ ትርከብ።

ኣብታ ጃልባ ሬሳ ናይ ሓንቲ ካብቶም ስደተኛታት ከም ዝጸንሐ ሓለዋ ባሕሪ ማሌዥያ ኣፍሊጦም።

ገለ ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ እታ ጃልባ ክትብገስ እንከላ ኣስታት 500 ሰባት ሒዛ ምንባራን፡ ዳርጋ ፍርቆም ካብታ ጃልባ ሃዲሞም ኣትዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቦም።

ካብቲ ኣብ ሚያንማር ዘጋጠሞም ጎነጽ ዝሃደሙ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሮሂንጃውያን ስደተኛታት ኣብ ባንግላድሽ ተዓቚቦም ይርከብ።