ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ኤርትራዊ ስደተኛ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ይኸስስ

ምንጪ ስእሊ, A.M
ሓደ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፡ ኣብ ዝቕመጠሉ ናይ ሓባር መንበሪ “ሆስተል” ብዘጋጠመ ለብዒ፡ ኮሮናቫይረስ ብምሕማሙ ኣብ ልዕሊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ክሲ ይምስርት ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ዌክፊልድ ዝርከብ ‘ኡርባን ሃውስ’ ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ናይ ስደተኛታት ለብዒ ከም ዘጋጠመን 20 ሰባት ተለኺፎም ምህላዎምን ሰብ መዚ ጥዕና ኣፍሊጦም።
እቲ ሓታቲ ዑቕባ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣንጻር ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣድላዪ መከላኸሊ ኣይገበረን ብምባል እዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ተበጊሱ ዘሎ።
ጠበቓታቱ ሚያዝያ 15 ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብቲ መዕቆቢ ዘለው ሰባት ብዙሓት ብምዃኖም፡ ማሕበራዊ ርሕቀት ንምሕላው ዘይጥዕም ኩነታት ከም ዝነበረ ብምግላጽ ብኮቪድ-19 ክጥቅዑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግና፡ እቲ ኣብ ‘ኡርባን ሃውስ’ ዘሎ ኩነታት ንሕክምናዊ መምርሒ ዘማልአ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ንዝኾነ ሰብ ናብ ሓደጋ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዘየውድቕ ምዃኑ እዩ ዝምጉት።
እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ ተራእዮ ኣብ ሆቴል ከም ዝውሸብ ተገይሩ ኣሎ።
ንሱ፡ ንጋዜጣ ዘጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ኡርባን ሃውስ ኣዝዩ ስግኣት ሓዲሩኒ ነይሩ፡ ብኮቪድ-19 ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ተረዲኡኒ። ምኽንያቱ ኣዝዩ ዝተጨናነቐ እዩ ነይሩ። ኣዝየ ሓሚመ ነይረ፡ ሕጂ ግና ደሓን ኣለኹ” ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ‘ኡርባን ሃውስ’ ንሒደት ሰሙናት ጥራይ ክጸንሑ ዝግባእ እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ኣብኡ ከም ዝጸንሐ ተዛሪቡ።
እቲ መስሪትዎ ዘሎ ክሲ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምቹእ መጽለሊ ክቕርበሉ ዘይምኽኣሉ፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምግላጽ ግዳይ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከም ዝገበሮ ይምጉት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







