እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣቲዩ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ከም ዝኣተወ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።
ንሱ፡ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቡ ተቐቢልዎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድናታት ንምሕያልን ንዞባዊ ምትሕግጋዝን ኣመልኪቶም ከም ዝዘራረቡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልትታት ዑደት ኣካዪዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ሱዳን ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ድማ ናብ ግብጺ ገይሹ እዩ።
ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ (ናይል) ትሃንጾ ዘላ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምውጣጥ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘርበሐ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፡ ከምቲ ተስፋን ትጽቢትን እተነብረሉ ግና ኣይሰጎመን ምባሉ ዝዝከር እዩ።
"ክልተ ዓመት ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሰፊሩ ኣሎ። ንግዳውን ቁጠባውን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክልቲአን ሃገራት'ውን ኣይሰጎመን" ኢሉ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ከምኡ'ውን ወሃቢ ቃል ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝርከብዎ ጉጅለ መሪሑ እዩ ኣስመራ ኣትዩ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምግልጋሉ እዩ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተሳሒቡ።