እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘቃልዕ ጸብጻብ ቢቢሲ ክቡር ሽልማት ተዓዊቱ
ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጻት ዘቃልዕ ጸብጻብ ብምውጽኡ ሽልማት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተዓዊቱ።
እቲ ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ዝተዋህበ ክቡር ሽልማት፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንዝተፈጸመ ጾታዊ ጐነጽ ዘርኢ ዓሚቚ ጸብጻብ ብምቕራቡ ዝተዋህበ'ዩ።
እቲ "'ቀቲሎምኒ እንተ ዝዀኑ ምሓሸኒ- ህይወት ደቀንስትዮ ዘዕኑ ዘሎ ዝተረሰዐ ኲናት' ('It would have been better if they'd killed me፡ A forgotten war destroying women's lives"') ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ኣብቲ "ዝበለጸ ነዊሕ ዓንቀጽ" ኣብ ዝብል ናይ ጽሑፍ ውድድር ቀሪቡ'ዩ ተዓዊቱ ዘሎ።
እቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዝወሰደ መርመራ፡ ግዳያትን ሰብሞያ ጥዕናን ብዝሃብዎ ቀጥታዊ መርትዖታት ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ነቲ ተኸዊሉ ዝነበረ ግፍዕታት ዘቃልዐ እዩ።
እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ካብ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ ግፍዕታት ሰኒዱ ኣሎ።
ቃለመሕትት ዝገበሩ ኣብቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲን ሰብሞያ ጥዕናን ኣብቲ ክልል ዘሎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክፈርስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ብሰንኪ መንግስቲ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳታት ምንቅስቓስን ሓደገኛ ኵነታት ጸጥታን፡ ጋዜጠኛታት ናብቲ ብግጭት ዝተጸልወ ከባቢታት ብምእታው ቀጻሊ ጸብጻባት ክህቡ ከምዘይክኣሉ ይግለጽ።
እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ኲናት ክልተ ዓመት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2022 ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ድሕሪ ምባሉ'ዩ ተወሊዑ።
እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ ግፍዕታት ደው ክብልን ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡን ዘጠቓልል እዩ።
እንተኾነ እቲ ምግሃስ መሰላት ደቂኣንስትዮ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝቐጸለ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ንዝቐረበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላትን ግፍዕታትን ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።
መንግስቲ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ንዝተፈጸመ ዓመጽ ንምጽራይ መርመራ ከምዘካየደ'ኳ ተገሊጹ እንተነበረ፡ ዛጊት ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ንህዝቢ ኣይቀረበን።
ሽልማት ሚድያ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (Amnesty International UK Media Awards) ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ ሰባዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ጋዜጣዊ ስራሕ ኣፍልጦ ዝህብ ኰይኑ፡ 11 ዝተፈላለየ ክፍልታት ዘለዎ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ተዓዊትሉ ዘሎ ምድብ ምስ ሲ-ኤን-ኤን፡ ዘ ጋርድያን፡ ከምኡ'ውን ዘ ታይምስ ብምውድዳር'ዩ ነቲ ዓወት በቒዑ።
ኣብ ካልእ ምድብ ዝተዓወቱ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ግጭታት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጻት ዘቃልዑ ጸብጻባት'ውን ኣለዉ።
ጽንብል ናይቲ ሽልማት፡ ረቡዕ ምሸት ኣብቲ ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከብ ኣደራሽ 'ብሪቲሽ ፊልም ኢንስቲዩቲት ተኻይዱ። እቲ ኣጋጣሚ፡ ንውልቃዊን ሞያዊን ሓደጋ ብምስጋር ንሰባዊ ምግሃስ መሰላት ዘቃልዑ ጋዜጠኛታት ኣፍልጦ ዝህብ'ዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራ (ፋኖ) ብሓደ ወገን፡ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን እቲ ክልልን ከኣ በቲ ካልእ፡ ዝካየድ እዩ።