እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳታት እንታይ እዩ?
ኣብዚ ቅንያት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታት ከተልዕልን ዝምድናኣ ናብ ንቡር ክትመልስን ወሲና ትንቀሳቐስ ከምዘላ ክዝረብ ተሰሚዑ'ሎ።
እዚ ውሳነ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈጥረ ቅልውላው ዝተደፍአ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ንኤርትራ ብዘለዋ ስትራተጅያዊ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ "ከም ስትራተጅያዊት መሓዛ" ስለዝርኣየታ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ኰይኑ ግን ጉዳይ ምልዓል እገዳ፡ ምስ መዝገብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተዛሚዱ ኣከራኻሪ ሕቶታት የልዕል ኣሎ። ኣብዚ መቓን'ዚ ድማ እቶም እገዳታት እንታይ እዮም ነይሮም ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምንቍልቋሉ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ጽቡቕ ኣጠማምታ ኣይጸንሓን፤ብሰንኩ ድማ እብእዋኑ ዝተፈላለዩ እገዳታት ኣንቢራ።
ኤርትራ፡ "ንዝሓለፈ 80 ዓመታት፡ እናተ ተኻኽኡ ብዝመጽኡ ምምሕዳራት በደል ኣብ ልዕሊ በደል ከም ዝተፈጸማ" ንኣመሪካ ትኸስስ እኳ እንተዀነት፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ፡ ክልቲአን ሃገራት ውዕዉዕ ተስፋ ዝሃበ ዝምድና መስሪተን እየን።
ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ፡ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን፡ ኣብ 1995 ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኦቫል ኦፊስ ብምዕዳም፡ እታ ሃገር ኣብ ጐደና ደሞክራሲ ንዝጀመረቶ ሓያል ስጕሚ ኣድናቘቱ ገለጸ።
"ሓደ ካብ ትስፉዋት መራሕቲ ሓድሽ ወለዶ ኣፍሪቃ" ብምባል ድማ መጕስዎ።
ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ 1998 ድሕሪ ምጅማሩ ግን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምትፍናን ክረኣዮ ጀሚሩ።
ብፍላይ ድሕሪ 2001 እናሓርፈፈ ዝመጽአ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት ኣውሪድዎ።
እቲ ካብ 2001 ብፍላይ ዝጀመረ ምእሳር ናይቶም ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተቓውሞ ዘልዓሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሰራዊትን፡ ከምኡ'ውን ናጻ ጋዜጠኛታት ዝተወስደ ስጕምቲ፣ ብቐጻሊ ዝሰዓበ ምድራት ስቪላዊ መሰላትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ብመንግስቲ ኤርትራ ምእሳሮም'ውን ካልእ ምኽንያት ዘቀሓሓሮም ጉዳይ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ኣመሪካ ነታ ምስ ኤርትራ ኣብ ኵነተ-ኲናት ዝነበረት ኢትዮጵያ ከም ስትራጅያዊት ብዓልቲ ኪዳን ኣብቲ ዞባ ምውሳዳ፡ ሓደ ካብ ምኽንያታት ምብላሻው ዝምድና ዝግለጽ'ኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ነቲ ዝወሰደቶ ሕርያ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝሰፈነ ስእነት ቅዋማዊን ደሞክራስያዊ ስርዓትን እያ ተመኽንዮ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ዋላ'ኳ ኣመሪካ ንዂናት ኢትዮ-ኤርትራ ብምሽምጋል፡ ብፍላይ ኣብ ኣልጀርስ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ቀንዲ ኣውሓሲት መንጐኝነት እንተ ነበረት፡ ብኮሚሽን ዶብ (EEBC) ንዝተዋህበ ውሳነ ኣብ ግብሪ ንምትግባሩ ግን ጸግዒ ኢትዮጵያ ከም ዝሓዘት - ኤርትራ ትኸስስ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራት ቡሽን ድሒሩ ዝመጽአ ምምሕዳር ኦባማን ነቲ ብይን ንምትግባር ኣመሪካ "ዝተኸተለቶ ኣካይዳ" ንፍልልይ ክልቲአን ሃገራት ኣዕሚቑዎ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 ብውሳነ (ሪዞሊሽን) 1907 ዝፍለጥ፡ "ንዕጡቓት ኣልሸባብ ሶማልያ ትድግፍ እያ" ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ጥርዓን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ስለዝደገፈኦ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ እገዳ ጽኑዕ ከምዝገበሮ እዩ ዝፍለጥ።
ኤርትራ ነዚ ክሲ'ዚ ኣትሪራ ነጺጋቶ፡ ኣብቲ እዋን ወኪል ኤርትራኣብቲ ውድብ ዝነበረ፡ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፡ እቲ ውሳነ "ዘሕፍርን ብስርዓት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተሰነዐ ሓሶትን" ክብል ከሲሱ።
መርማሪ ጕጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ንዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ኣብ 2009 ዝተገብረ እገዳ ዝመርሐ - ኤርትራ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ትድግፍ እያ - ዝብል ክሲታት ደምዳሚ መርትዖ ከም ዘይረኸበሉ ኣብ ጸብጻቡ ምግላጹ ይፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቘጠዐ'ዩ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ግን ትሽዓተ ዓመታት ጸኒሑ እዩ ነቲ እገዳ ኣብ ሕዳር 2018 ኣልዒልዎ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ዓመታት፡ ድሕሪ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ፡ ንውዕል ኣልጀርስ'ውን ብዘይቅድመ ኵነት ከምዝተቐበሎ ብምሕባር፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ንኽልዓል ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ምቕራቡ፡ እዚ እገዳ ንኽልዓል ኣቀላጢፍዎ'ዩ።
ኣብ ቀዳማይ እብረስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብምድናቕ፡ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም እትቕበሎ ምግላጻ ኣመሪካ ትንእድ" ዝብል መግለጺ ሂባ ነይራ።
ኲናት ትግራይ ኣብ 2020 ድሕሪ ምውልዑ ግን፡ እቲ ደሓን ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት መሊሱ ተኻሪሩ። ኣመሪካ፡ ኣብ ግንቦት 2021 - ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበለቶም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይዅኑ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሰባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከም እትገብር ኣፍሊጣ።
ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ኣብ ሰነ 2024 ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ እዚ እገዳ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝፈጠሮ ጽልዋ ብዝርዝር ኣቕሪባ ምንባራ ይዝከር።
እብ መደረኣ፡ "እቲ ስዉር ፖለቲካዊ ድራኸታት" ንጹር እዩ ብምባል እቲ ኣብ 2021፡ ኤርትራ ብምምሕዳር ኣመሪካ ካብቲ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዝጥቀመሉ ስርዓት ስዊፍት ከም እትግለል ምግባራ፡ ዘይሕጋዊን ሓደ ወገናዊን ክትብል ገሊጻቶ ነይራ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ "ስጕምቲ ዘይሕጋዊ እገዳታት" ኣብ ልምዓታዊ መደባት እታ ሃገር ዘስዕቦ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሳዕቤን ገዚፍ ምዃኑ እውን ኣረዲኣ።
ኣመሪካ፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ትካላት ኤርትራን ክልተ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።
ቤት ግምጃ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳ፡ ንጸጥታን ሓድነትን ኢትዮጵያ የናውጽ ኣሎ ኣብ ዝበሎ ቅልውላው ተራ ከምዘለዎም ንዝገለጾም ናይ ኤርትራ ትካላትን ዜጋታትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ነቲ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ክሲ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ "ንህዝቢ ኣጥሚኻን ኣሳቒኻን ናዕቢ ንምብግጋስ" ዝዓለመ ክብል ነጺግዎ።
ኣብቲ እገዳ ዝኣተዉ ትካላትን ውልቀሰባትን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያም፣ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን ካብቶም እቲ እገዳ ዝግበረሎም ክዀኑ እንከለው፤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ከምኡ'ውን ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ትካል ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን እዮም።
ንውሳነ እቲ ቤት-ግምጃ ስዒቡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍን እምበር ንህዝቢ ዝምልከት ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ፤ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ውጽኢታዊ እንተዘይኰይኑ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ።
እዚ ዳሕረዋይ ኣመሪካ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዘነጻጸረ ኮይኑ፡ እቶም ኣርባዕተ ትካላት ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ መንግስቲ እታ ሃገርን ውድብ ህግደፍን ዝተኣሳሰሩ እዮም።
እቶም ክልተ ውልቀሰባት'ውን ምስቲ መንግስትን ውድብን ዝተሓሓዙ ምዃኖም መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ የመልክት።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
ክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ጃምላዊ ቕትለት፡ ዝምታ፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ፡ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ 'ኣብ ጸሊም መዝገብ' ኣስፊርዎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ ተግባር ኣመሪካ ከም ዝጎሃየ ብምግላጽ ነቲ "ኣንጻሩ ዝቐንዐ መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ጸለመን" ክብል ነጺግዎ።
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)
ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እንኮ ውድብ ምዃኑ መግለጺ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብቐጥታ ንሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ይእዝዝ፣ ይቈጻጸርን ብቐጥታ ንጀነራላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትእዛዝ ይህብ። እዚ ድማ እቲ ሰራዊት ኣብ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘለዎ ተራ ቀንዲ ተሓታቲ ክኸውን ይገብሮ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ህግደፍ ከም ሰልፊ ወይ'ውን ኣባላቱ ኣብ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘለዎም ተራ ወይ'ውን ምቍራጽ ተዅሲ ከይግበር እቲ ሽግር ብሰላም ከይፍታሕ ብምዕንቃፉ ኣብቲ እገዳ ተኻቲቱ ምህላው ይነግር።
ኣብርሃ ካሳ ነማርያም
ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ስለያ እዩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንኣብርሃ ካሳ ኣብዚ እገዳ ክካተት ዝተገብረሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ ወይ'ውን ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝነበሮ መሪሕነት፣ ሓላፍነት፣ ላዕለዋይ ኣፈጻምነት ዕማማት ወይ'ውን ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣብቲ ውድብ ኣባል መሪሕነት ብምዃኑ እዩ ይብል።
በዚ'ውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኸስተ ቅልውላው ኣብ ዝኾነ ተግባራት፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ብምስታፍ ወይ ንምስታፍ ብምፍታን እጃም ከም ዝነበሮ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ማዕከን ሕድሪ
ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተመስረተ ማዕከን ሕድሪ ዝተብሃለ ትካል ብገዛኢ ውድብ ህግደፍ ንዝተመስረቱ ኩሎም ንግዳዊ ትካላት ኣብ ትሕቲኡ ዝሓቘፈ እዩ።
ድሕሪ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ሃብትን ትካላትን እቲ ውድብ ኣብ ትሕቲ ማዕከን ሕድሪ ክመሓደር ተወሲኑ ምንባሩ ይፍለጥ።
ማዕከን ሕድሪ ኣብ ከም ንግዳዊ ኮሮፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ባንክ ኣባይትን ንግድን፡ ሬድ ሲ ቦትለርስ (ፋብሪካ ኮካ ኮላ)፣ ኩባንያ ህንጻ ሰገንን ፋብሪካ ቢራ ኣስመራን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ንግዳዊ ትካላት ህግደፍ [ገሊኦም ብብርኪ] ከም ጽላል ኮይኑ ከም ዘገልግል ኣብ 2006 ብዊኪሊክስ ዝተዘርግሐ ምስጢራዊ ሰነድ ይገልጽ።
ማእከን ሕድሪ ኣብቲ እገዳ ዝተኻተተ ናይቲ ገዛኢ ውድብ ሓደ ፖለቲካዊ ክፋል፡ ትካል ወይ'ውን መሳርሒ ብምዃኑን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ወይ'ውን እቲ ውድብ ስለዝርከብን ምዃኑ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ የረድእ።
ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳን (ሓጎስ ክሻ)
ብሓጎስ ክሻ ዝፍለጥ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳን ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕርን (09) እዩ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ እገዳ ዝኣተወ ቍሳዊ ወይ'ውን ገንዘባዊ፣ ናይ ቴክኖሎጂ፣ ናይ ሸቐጣትን ናይ ኣገልግሎታትን ካልእን ቀረባት ነቲ ገዛኢ ውድብ ብምቕራቡ እዩ ይብል መንግስቲ ኣመሪካ።
ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ (09)
ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ሃብትን ገንዘብን ህግደፍ ዘመሓድር ትካል እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ውድብ ገንዘብ ዘቕርብን ንግዳዊ ድጋፍ ዝህብ ምዃኑን ገሊጹ።
ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ገባቲ ኢድ ዘለዎ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ኩባንያ እገዳ ዝተነብረሉ፡ ብሓጎስ ገብረሂወት "ስለዝውነንን ዝካየድን እዩ" ይብል መግለጺ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ።
እቲ ውሳነ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ?
እቶም ኣብቲ እገዳ ተዘርዚሮም ዘለው ኩሎም ትካላትን ውልቀሰባትን ኤርትራውያን እዮም።
ብምኽንያት እቲ እገዳ፡ ብስም እቶም ዝተዘርዘሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ኣመሪካ ኮነ ኣብ ትሕቲ ኣመሪካ ወይ'ውን ኣብ ቁጽጽር ኣመሪካ ዝርከብ ኩሉ ንብረትን ጥቕምታትን ከይንቀሳቐስ ዝተኣገደ ኮይኑ፤ ጸብጻብ ናብቲ ነዚ ውሳነ ዝቆጻጸር ክፍሊ እቲ ቤት-ግምጃ ጸብጻብ ክግበር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ብቤት-ግምጃ እታ ሃገር ንዝሓለፈ ውሳነ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ስጕምቲ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም እቲ ዓመት ብፕረዚደንት ባይደን ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ምዃኑ ሓቢሩ።
ወሲኹ'ውን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብምስታፍ እታ ሃገር ከይትረጋጋእ ብምግባር ነቲ ጎንጺ ከምዘጋደድዎን ሰላማዊ መፍትሒ ከይርከብ ዕንቅፋት ክንዮ ምዃኖም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ዝገልጹ ተኣማኒ ጸብጻባት ምህላዎም ኣረዲኡ።
ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ዝፍጽምዎ ተግባራት ንኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባ እቲ መግለጺ ይሕብር።
እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ንሰላማዊ መፍትሒ ዝኸውን ትርጉም ዘለዎ ስጕምቲ እንተዘይኣርእዮም ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተወሳኺ እገዳ ከም እትገብር እቲ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብዚ ካልኣይ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ድማ፡ እቲ ምምሕዳር ዘተኣታተዎ ገደባት ኢሚግሬሽንን ቪዛን ስዒቡ ድማ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ግብራዊ ዝዀነ፡ "ምስ ሃገራዊ ድሕነት" ብምትእስሳር ምስ ካልኦት 11 ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሉእ እገዳ ቪዛ ከም ዘንበረ ኣይርሳዕን።
በዚ ኣብዚ ቅንያት ዝስማዕ ዘሎ ምንቅስቓስ ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን እምበኣር፡ ብውሕዱ ገለ ካብዞም እገዳታት ክለዓሉ ትጽቢት ይግበር።