እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንምንታይ ንኢትዮጵያን ኢማራትን ትኸሰን ኣላ?
ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርታ ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን 'ወዲበን' ክትብል ከሲሳተን፤ ነቲ መጥቃዕቲ ከኣ "ቀጥታዊ ወራር" ክትብል ኰኒናቶ።
ኣብ ካርቱም ዝርከብ መዓርፎ ነፈርታ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ካልኦት ወተሃደራውያን ትካላታ ብሰኑይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞም እያ ትኸስስ።
እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት ሱዳን ንዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ምስ ደፍኦም ሰፊኑ ንዝጸንሐ ተዛማዲ ሰላም ዝዘረገ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ኢዳ ኣሎዋ' ንዝብል ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ክትብል ነጺጋቶ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዛጊት ወግዓዊ ርእይቶ ኣይትሃብ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውግእ ሱዳን ኢዳ ከም ዘየእተወት ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምሕየዲን ሳልም፡ ብሰንኪ'ዚ መጥቃዕቲ፡ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ኣምባሳደራ ን"ዘተ" ናብ ሃገሩ ከም ዝጸውዓቶ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ዜና ሱዳን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተጐድአ ሰብ ከም ዘየሎ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን፡ እተን ድሮናት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳር ኢትዮጵያ ከም ዝተበገሳ ዘረጋግጽ "ጭቡጥ መርትዖ" ከም ዘሎዎ፡ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ጸብጺቡ።
ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ተበጊሶም መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝፈጸሙ ኣብ መጋቢት ከሲሶም ነይሮም እዮም።
እቶም ሰበስልጣን፡ ንብረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃና ዝተለለየት ድሮን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ክሊ ኣየር ሱዳን ክትኣቱ እንከላ ተኸታቲሎም ከም ዘውደቑዎ ሓቢሮም ምንባሮም ኣይርሳዕን።
ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ሱዳን፡ ምስቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እትተሓሓዝ ካልእ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተበገሰ ድሮን ከም ዘለለዩ ተዛሪቡ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ እያ ዝብል ክሲ፡ ኣቐዲማ'ውን ብትሪ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንፈለማ ግዜ ንግዳዊት ነፋሪት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምዕላባ ሰሙን ጸኒሑ ዝሰዓበ እዩ።
ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ፡ ሰበስልጣን ን72 ሰዓታት ዕማማት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንኽቋረጽ ተገዲዶም ኣለዉ።
ካብ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊትን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ቀንዲ ቦታ ዓውደ ውግእ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ለካቲት፡ ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ንዳዕመ-ሰሪዕ ትዕልመሉ መዓስከር ከም ዘለዋን መዓርፎ ነፈርቲ ኣሶሳ ድሮናት ክጥቀማሉ ከተማዕብሎ ከም ዝጸንሐትን ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ብቐረባ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ምዃኑ'ውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነቲ ጸብጻባት ነጺገንኦ እየን።
ብሰኑይ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንማዕከን ዜና ኤይኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ባምባታት ከም ዝሰምዑን ካብቲ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ጸሊም ትኪ ክተጕግ ከም ዝረኣዩን ኣረጋጊጾም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ምምሕዳራዊ ህንጻ ንኡስ ዕንወታት ከም ዘስዓበ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምኒስትሪ ዜና፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ እቲ ልሙድ ናይ ድሕነት ስራሓቱ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ክምለስ ምዃኑ ገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንሱዳን "መሓዛ ሃገር" እኳ እንተዀነት፡ እተን ድሮናት ካብኣ ከም ዝተበገሳ ተዛሪቡ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን "ጌጋ መንገዲ" ከም ዝመረጻን ድሒረን ከም ዝጠዓሳሉን ገሊጹ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ነዊሕን ታሪኻውን ሕውነት ከም ዘለወን ጠቒሱ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ልኡላውነታን ሃገራዊ ድሕነታን ዝተፈጸመ ጥሕሰታት፡ ኢትዮጵያ ሕነ ካብ ምፍዳይ ወይ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ተቘጢባ ከም ዝጸንሐት ድማ ገሊጹ።
እቲ ምኒስትሪ ኣብ መንጎ እቶም ሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናውያን ዘተ ክካየድ ጸዊዑ።
ውግእ ሱዳን ካብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ዝዀኑ ከኣ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።
እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዓቢ ጥሜትን ክሲ ጨፍጫፍ ዓሌትን ንኽስዕብ ድርኺት ፈጢሩ።