እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብቲ ብሓይሊ ዝተጎበጠ ከባቢታት ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ኣፍ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ሽጋራ ክውትፍን ክውልዕን ናይ ዝተራእየ ወተሃደሩ ጉዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ተግባር ኣብ ሓንቲ ደብል ዝተባህለት ክርስትያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ቍሸት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ወተሃደር እውን ንሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብገጹ ብምድፋእ ብሞዶሻ ክወቕዖ እንከሎ ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ሰራዊት ነቲ ፍጻመ "ብዝለዓለ ደረጃ" ከም ዝርእዮን ተግባራት እቲ ወተሃደር "ትጽቢት ካብ ዝገበረሉ ስነምግባራዊ ክብርታት ምሉእ ብምሉእ ዝወረደ፡" ምዃኑን ገሊጹ።
ሓላፊ ሰበኻ ጉባኤ ደበል ካህን ፋዲ ፈልፈሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ብቕንዕና ክዛረብ እንተዀይነ፡ እዚ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ መስቀል ክርስቶስ ዝተፈጸመ ተግባርን ዝቐረበ ይቕረታን፡ ዝመጽእ ዘሎ ካልእ ተግባር ብምዃኑ ብሓቂ ኣቘጢዑና፡" ክብሉ ገሊጾም።
"እዚ ተግባራት'ዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት [እስራኤል] ስነ-ምግባርን ክብርታትን ዝጐደሎምን ጽልኢ ዘለዎምን ውልቀሰባት ከም ዘለዉ'ውን ዘርኢ'ዩ። እዚ ድማ ዓቢ ኣኽራርነት ዘንጸባርቕ'ዩ።"
ካህን ፈልፈሊ፡ እቲ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝዀነ ምብልሻውን መስበርትን ከም ዘይወረዶን'ኳ እንተ ኣረጋገጹ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ግን "ዘይስነምግባራዊ" ክብሉ ኰኒኖምዎ።
"ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እታ ሰላምን ገለልተኛነትን ክብሪታታ ዝገበረት፡ ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ዘይብላ ዓዲ" ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክፍጸማ ዘይግቡእ ምዃኑ ጠቒሶም ድማ "እዞም ወተሃደራት፡ ክህሉ ዘይግብኦ ኣኽራሪነትን ዘይምጽውዋርን ዘንጸባር እዮም፡" ክብሉ ወቒሶም
እቲ ተግባር "ንኻልኦት ዘይምኽባርን ቍጡዕ ባህሪን" ዘንጸባርቕ ክብል'ውን ወኪል ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቅድስቲ ሃገር ኰኒኑ።
"ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ተቐባልነት የብሉን፣ ዳግማይ ክኽሰት የብሉን። እቲ ጉዳይ ድማ ብዝለዓለ ዕቱብነት ክሕዞ ንጽውዕ፡" ብምባል፡ "መንግስቲ እስራኤልን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ስጕምቲ ክወስዱን፡" ኣብቲ ንጋዜጣ ሃረዝ እስራኤል ዝሃብዎ መግለጺ ተማሕጺኖም።
ወሃቢ-ቓል ሰራዊት እስራኤል ሌተና ኮሎነል ናዳቭ ሾሻኒ፡ እቲ ስእሊ ቅድሚ ሓያሎ ሰሙናት ዝተወስደ ምዃኑን ብመሰረት ውጽኢት መርመራኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደር ስጕምቲ ክውሰድ ምዃኑን ሓቢሩ።
"ሰራዊት ንናጽነት ሃይማኖትን ኣምልኾን፡ ከምኡ'ውን ቅዱሳን ቦታታትን ሃይማኖታዊ ምልክታትን ኵሎም ሃይማኖታትን ማሕበረሰባትን የኽብር እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ንሓወልቲ የሱስ ብሞዶሻ ዝሃረመ ወተሃደርን፡ ነቲ ተግባር ዝሰኣለ ካልኣዩን፡ ዓለምለኻዊ ቍጥዐን ውግዘት ድሕሪ ምስዓቡ ን30 መዓልታት ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ተፈሪዶም ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ብመንጐኝነት ኣመሪካ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ብ16 ሚያዝያ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት እስራኤል ሰፊሕ ከባቢታት ደቡባዊ ሊባኖስ ሒዞም ኣለዉ።
እቲ ስምምዕ ግን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግን ደው ከብሎ ኣይከኣለን፤ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውዕል ብምጥሓስ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።
እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ተካይድ ከም ዘላን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 120 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሊባኖስ ሓቢራ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤልን ዝርከቡ ወተሃደራት እስራኤል ብሮኬት፡ ድሮናትን ሞርታራትን ከጥቅዕ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ሊባኖስ እቲ ኲናት ብ2 መጋቢት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብውሕዱ 2,715 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይንገር።
ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ 17 ወተሃደራትን ሓደ ስቪልን፡ ኣብ ሰሜን እስራኤል ድማ ክልተ ስቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰብመዚ እስራኤል ገሊጾም።