እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ካብ ናብ ሶማልያ ዝምለስ፡ ኣብ ኣመሪካ ተሓቢአ ክነብር እመርጽ'
ኣብ ክፍለ-ሃገር ሚነሶታ ዝተዋፈሩ ብዝሒ ዘለዎም ሓይልታት ኢምግረይሽን ስርሖም ከም ዘብቅዑ ካብ ዝእወጅ ኣዋርሕ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ክፍለ-ሃገር ግና ስግኣት ገና ኣንጠጥዩ ኣሎ።
እቲ ክልተ ዜጋታት ኣመሪካ ምስ ተቐተሉ ሃገርለኸ ተቓውሞ ዘለዓዓለ ስርሒታት ምኽባር ሕጊ፡ ንነበርቲ እታ ከተማ ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝዓበዩ ማሕበረሰብ ሶማልያ ዝርከቡላ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣሰንቢድዎም እዩ።
ዓብዲ፡ መንነቱ ንምሕላው ስሙ ዝተቐየረ ወዲ 23 ዓመት ሶማላዊ መንእሰይ፡ ሓደ ካብቶም ዛጊት ኣብታ ከተማ እናተዘዋወሩ ንዝሰርሑ ወኪላት ኢምግረይሽን እናፈርሐ ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ እዩ።
"እቲ ጉዳይ ኣይተወድአን፡" ክብል ዓብዲ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወከልቲ ፈደራል (ICE) ገና ኣብ ኣባይቲ ሰባት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ካብ ኣባላት ማሕበረሰቡ ከም ዝሰምዐን፡ "መዓስ ናብ ቤተይ ከም ዝመጽኡ ኣይፈልጥን እየ፡" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
ዓብዲ ካብ ሓሙሽተ መዓልታት ንላዕሊ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዘይሓድርን ናብ ስራሕ ክኸይድ ከሎ'ውን ብጥንቃቐ ተሓቢኡ ከም ዝወጽእን የረድእ።
ገለ ካብ ኣዕሩኽቱ፡ ከምኡ ወግዓዊ ናይ ግዝያዊ ዕቝባ ወረቐት (TPS) እናሃለዎም ከይተረፈ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ይገልጽ።
እዚ ናይ ግዝያዊ ዕቝባ ፍቓድ፡ ብዅናት፡ ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ወይ ብፍሉይ ኵነታት ንዝተሃስያ ሃገራት፡ ዜጋታተን ኣብ ኣመሪካ ንዝተወሰነ እዋን ብሕጋዊ መንገዲ ክነብሩን ክሰርሑን ዘፍቅድ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ንሶማላውያን ዝወሃብ ዕቝባ ንምቍራጽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርን ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብ ዘሰክፍ ርእይቶታትን፡ እቲ ማሕበረሰብ ዒላማ ከም ዝተገብረ ክስምዖ ገይሩ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 260,000 ሶማላዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ክነብሩ ከለዉ፡ ፍርቆም ኣብታ ሃገር ዝተወልዱ እዮም። መብዛሕትኦም ድሕሪ ውድቀት እቲ ናይ መወዳእታ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ 1991 ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ሶማልያ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚራ ብደርቅን ተኸታታሊ ኲናትን ትሕመስ ዘላ ሃገር እያ።
ዓብዲ ካብ ሶማልያ ዝሃደመሉ ምኽንያት፡ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብሓይሊ ከዐስክሩዎ ስለ ዝደለዩ እዩ።
"ናብዚ ንምብጻሕ ኣስታት 15,000 ዶላር ኣጥፊአ እየ፤ ስድራቤተይ ዘለዎም ኵሉ እዮም ሂቦምኒ፡" ይብል።
ብምስጢራዊ መንገዲ ናብ ብራዚል ብምስጋር፡ ካብኡ ኣብ መንጎ ኮሎምቢያን ፓናማን ንዝርከብ ዱር ዳርየን ጋፕ ብእግሩ ብምቍራጽ እዩ ናብ ኣመሪካ በጺሑ። ኣብቲ ጕዕዞ፡ "ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ሬሳ ረጊጸ እየ" ክብል ነቲ ዘስካሕክሕ ተመኵሮኡ ዘዘንቱ።
ናብ ኣመሪካ ምስ በጽሐ ዕቝባ ዝሓተተ ዓብዲ፡ ክሳዕ 2029 ኣብታ ሃገር ብግዝያዊ ክነብር ፍቓድ ዝህቦ ወረቐት'ውን ረኺቡ እዩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ስግኣት ገና ካብ ዙርያኡ ኣይረሓቐን።
ክፍሊ ውሽጣዊ ድሕነት ኣመሪካ ግና እቲ ኣብ ሚነሶታ ዝተኻየደ 'ኦፕረይሽን ሜትሮ ሰርጅ' ንውሕስነት ህዝቢ ዝዓለመ ዓወት እዩ ይብል።
ንዓብዲ ግና እቲ ኵነታት ናይ ህልውና ጉዳይ ኰይኑ፡ "ናብ ሶማልያ ካብ ዝምለስ፡ ንምልእቲ ህይወተይ ኣብዚ ተሓቢአ ክነብር እመርጽ፣ ምኽንያቱ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ፡" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።
ከንቲባ ሚንያፖሊስ ጃኮብ ፍሬይ እውን፡ "መንግስቲ ፈደራል ብሓደ ወገን ኣብ ኣመሪካ ዕቝባ ኣየድልን ይብል። በቲ ሓደ ወገን ድማ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ ሰባት ናብ ሶማልያ ከይገሹ የጠንቅቕ፤ ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ?" ክብል ነቲ ተገራጫውነት ይነቅፍ።