እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ሓድሽ ፀብፃብ መርመራ 'ምፅናት ዓሌት' እንታይ ይብል?
ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ፡ኣብቲ ክልል ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቝፀራ ደቀንስትዮ፡ ፆታዊ ዓመፅን ጊላነትን ዝርከቦ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ኣመልኪቱ።
እቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጣየሸ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወታት ዝስንድ ኮሚሽን፡ ኣብ ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ፡ እቶም ጾታዊ ዓመጻት፡ ኣንጻር ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣውነትን ምዃኖም ይጠቅስ።
"እዞም መጥቃዕትታት ኰነ ተባሂሎም ዝተፈፀሙን ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረጕ'ዮም፡" ይብል እቲ ብሓሙስ 6 ጥቅምቲ 2018(ግ) ዝወጽአ ጸብጻብ።
እቲ ደማዊ ኲናት ብ2022፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራፅ ተፃብኦታት ደው ከም ዝበለ ይዝከር።
ቅድም ኢሎም ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘውፃኡዎም ፀብፃባት፡ ኵሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ተራፀምቲ ወገናት፡ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝግሃሱን ገሊኦም ድማ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ክዳረጕ ከም ዝኽእሉን ኣፍሊጦም ነይሮም።
ርኽበትን መይላ መፅናዕትን
ኮሚሽን መፅናዕቲ 'ምፅናት ዓሌት' ትግራይ፡ኣብቲ ኲናት ዝበጽሑ ፆታዊ ዓመፃትን መጥቃዕቲታትን ዘስዓቡዎ ማሕበራውን ቍጠባውን ክሳራታት ኣመልኪቱ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት እቲ ክልል መፅናዕቲ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ብሓሙስ ዝዘርግሖ 166 ገፃት ዝሓዘ ሰፊሕ መርመራዊ ፀብፃብ፡ ኵናት ትግራይ ካብ ዝጀመረሉ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ዘርዚሩ ይርከብ።
እዚኦም ብኣሃዛት ከቐምጦም እንከሎ፡ 55.63 ሚእታዊት ፆታዊ መጥቃዕትታት ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ 35.78 ሚእታዊት ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ 7.5 ሚእታዊት ብሓይልታት ክልል ኣምሓራ፣ 0.07 ሚእታዊት ብሓይልታት ዓፋር ከም ዝተፈፀሙ ገሊፁ።
ከምኡ'ውን ገለ ካብቶም ፆታዊ መጥቃዕትታት፡ እቶም ዝተኸሰሱ ሓይልታት ብጉጅለ ዝፈፀምዎም ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ መላእ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፃትን ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታትን ከም ዝተፈፀሙ ብምድምዳም፡ "እዞም ዓመፃት (መጥቃዕትታት) ብፅንተታዊ ሃቐነ፡ ንደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ዒላማ ብምግባር እዮም ተፈጺሞም፡" ኢሉ።
መንግስቲ ፌዴራል እቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ብመስርሕ 'መሰጋገሪ ፍትሒ' ክርእዮም ኣፍሊጡ ዝነበረ ዀይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይነፅግ።
ፀብፃብ ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት፡ ካብ ውፃእ መዓት፣ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዓበይቲ ዓድን መርትዖታት ኣኪቡ።
ዝበዝሑ ፆታዊ ዓመፃትን መጥቃዕትታትን ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝነበሩ፡ ዞባ ማእኸል ስዒቡ ድማ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ከም ዝተፈፀሙ እቲ መፅናዕቲ ይገልፅ።
ኣብ ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ውቕሮ ማርያም፣ ሽረ፣ ማይጨው፣ ኮረም፣ ሑመራ፣ ራውያንን ዳንሻን ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ጠቒሱ ኣሎ። ናብቲ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ምብፃሕ ከምዘይተከኣለን ፡ መርመርቲ ካብ ውፃእ መዓት ተመዛበልቲ፡ ምስክርነት ከም ዝኣከበ ኣነፂሩ።
ብሓፈሻ 481 ሽሕን 201 ደቂ ኣንስትዮ ኣካል እዚ መፅናዕቲ ከም ዝዀና ብምሕባር፡ ኣስታት 286 ሽሕ፡ ማለት'ውን ኣስታት 59.5 ሚእታዊት፡ ብውሑድ ግዳያት ሓደ ዓይነት ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝዀና የመልክት።
ካብዚአን እተን ዝበዝሓ፡ ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ፣ ጊላታት ፆታዊ ርክብ ከም ዝዀና፣ ከምኡ'ውን ብዘይ ፍቓደን ክጠንሳ ከም ዝተገደዳ እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቢሩ።
ገለ ካብተን እተን ግዳያት፡ ብጉጅለ ከም ዝተዓመፃ፡ ገሊአን ግዳያት ድማ ክሳብ "50 ብዝበፅሑ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝተዓመፃ፡" ምዝራበን እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።
እቲ ኮምሽን ከም ዝሰነዶ፡ ዝበዝሓ ግዳያት "በሊሕን ባዕዳዊ ዝዀኑ ነገራትን ናብ ማህፀነን ብምታው ክሳቐያ፡ ከምኡ'ውን ኣባላት ስድርአን ኣብ ልዕሊአን ፆታዊ መጥቃዕቲ እንትፍጸም ክርእዩ፡ ገሊአን ድማ ብኣባላት ስድርአን ክዕመፃ ከም ዝተገብረ፡" ይዝርዝር።
እዚ መፅናዕቲ፡ እቲ ፆታዊ ዓመፃት ኣብ ልዕሊ ካብ ቈልዓ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ 90 ዓመት ዕድመ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ደቀንስትዮን ህፃናትን ከም ዝተፈፀመ የመልክት።
ውፃእ መዓት ዘሕልፍኦ ዘለዋ ህይወት
ግዳያት ፆታዊ ዓመፅን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን፡ ኣብዚ እዋን ንከበድቲ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት ጥዕና ተቓሊዐን ከም ዝርከባ ሓቢሩ።
ብዙሓት ካብአን፡ ከም ፊስቱላ፣ ምውራድ ጥንስን መኻንነትን- ንዝኣመሰሉ፡ ክሓውይ ንዘይኽእል ቀዋሚ ጉድኣትን ጸገማት ጥዕናን ን ተቓሊዐን ኣለዋ- ይብል።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ንኤችኣይቪ ዝተቓልዓን፡ "ኣብ ሕሱም ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ (high-level psychological distress)" ዝርከባን ከም ዘለዋ እቲ ፀብፃብ ይጠቅስ።
እዚ ቅልውላው፡ ግዳያት ካብ ሓዳረን ክፋትሓ፡ ካብቲ ማሕበረሰብ ተነፅሎን ምግላልን ክበጽሐን ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ኵናት ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን ኣብያተ ትምህርትን ዝበፅሐ ዕንወት፡ ድሩት ተበፃሕነት ሕክምና፣ ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮን፣ ትምህርቲ ወይ ክንክን ክህሉ ከም ዝገበረ ኣመልኪቱ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ "ብሓይልታት መንግስቲን ናይ ደገ ሓይልታትን ንዝተፈፀሙ ከበድቲ ፆታዊ ዓመፃትን ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታን"፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሓተትቲ እዮም ክብል ከሲሱ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝነበሮ ተሳትፎ ጸኒሑ ዝኣመነ እንተዀነ'ኳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ንዝቐርቡ ክስታት ገበናት ኲናት፡ ጃምላዊ ቅትለታት፣ ፆታዊ መጥቃዕትን ኣይቕበልን።
እንተዀነ፡ ነቲ ብሓሙስ ካብ መቐለ ዝወጽአ ፀብፃብ ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዀነ ካብ ኣስመራ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።
ከም ፍታሕ
ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ክረኣይ ብምግባር ወይ ድማ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ብምውዳድ፡ ነዞም ተግባራት ዝፈፀሙ ኣካላት ብመስርሕ ሕጊ ተሓተትቲ ክገብር ፀዊዑ።
ማሕበረሰብ ዓለም ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ጥዕና መሊሶም ክህነፁን ንውፃእ መዓት ዝተማልአ ሓገዝ ክግበርን ድማ ተማሕፂኑ።
ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ ስርሑ ዝተቛረፀ፡ ዓለምለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት (ICHREE) ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ምስ ምፅናት ዓሌት ዝዳረግ፡ ገበናት ኲናት፡ገበናትኣንፃር-ሰብኣውነትን ጃምላዊ መቕተልትን ከምዝተፈፀመ ምኽሳሱ ይዝከር።