እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ዛዕባ 'ቅድስና' ከተማ ኣኽሱም ሲኖዶስ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ እንታይ ይብል?
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ጽዮን" ተባሂላ ክትስየም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እታ ቤተክርስትያን ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ መስተን ጫትን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ከም እትእግድን "ምልክት ቅድስና ዘርእዩ ሕግታት" ከምዝወጽእን'ውን ገሊጻ ኣላ።
እቲ ውሳነ ወግዓዊ ካብ ዝዀነሉ 28 ምያዝያ 2018 (ግ) ጀሚሩ፡ እታ ከተማ ብሓፈሻ "ቅድስቲ" ተባሂላ ከም እትጽዋዕ፡ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ብጹእ ኣቡነ ኣረጋዊ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣኽሱም፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሓ ክብሪ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ቅድስቲ ከተማ ተባሂላ ክትጽዋዕ ይግባእ ዶ ኣይግባእን ንምውሳን ዘኽእል መጽናዕቲ ቀሪቡ፣ ኣብ ውሳነ ከም ዝተበጽሐ ገሊጾም።
ከተማ ኣኽሱም ብልምዲ፡ "ቅድስቲ ከተማ" ተባሂላ ትጽዋዕ ከም ዝነበረት ጠቒሶም፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ውሳነ ነቲ ስም "ሕጋዊ" ዘገብር ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣኽሱም "ንብዙሕ ዓመታት ሕገ-ልቦና፡ ሕገ-ኦሪትን ሕገ-ወንጌልን ዝዓቀበት ክርስትያናዊት ደሴት" ብምዃና "ቅድስቲ" ምዃና ብጹእ ኣቡነ ኣረጋዊ ይገልጹ።
"ብዙሕ መንበረ-ታቦተ-ጽዮናት፡ መንበረ-ጽላት፡ መንበረ-ሳማራ፡ መንበረ-ቅዱሳን ስለዝዀነት፡ ዘለዋ ክብሪ ከም ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ነታ ከተማ ቅድስቲ ዘብላ መጽናዕቲ ቀሪቡ ኣሎ" ክብሉ ኣረዲኦም።
ወሲኾም፡ "ኣብዚ ዘመን ዘሎ ቅድስና እታ ከተማ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክመሓላለፍ"፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ወሲኑ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ፓትርያርክ ዝተመስረተ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዋና ጸሓፊ ኣቡነ ኣረጋዊ፡ "ኣኽሱም ቅድስቲ ከተማ ተባሂላ ስለዝተኣወጀት ኣልኮላዊ መስተን ጫትን ምሉእ ብምሉእ ንምእጋድ" ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረቡ ኣለው።
"ሆቴላት ዝቈጻጸር ሕጊ'ውን ነውጽእ ኣለና፣ እታ ከተማ ቅድስቲ ተባሂላ ስለ እትጽዋዕ፡ ንቕድስንኣ ዝኸውን ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ብምልእታ ከተማ ምልክት ቅድስና ዘርኢ ሕጊ ነውጽእ ኣለና" ኢሎም።
ብተወሳኺ፡ ዕላማኦም "ጥንታዊ ታሪኽ፡ መንነትን ክብርን እታ ከተማ ንዓለም ንኽፍለጥ" ምዃኑ ገሊጾም።
ሕጂ እታ ከተማ "ንቅድስና ዝበቅዕ ነገራት ክትገብር ኣለዋ" ከምኡ'ውን "ንቤተ ክርስቲያናን ህዝባን ንመእመናን ብጽቡቕ ከስተምህሩ እዮም" ኢሉ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ንኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ" ክትብል ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ምስ ማሕበረሰብ ኣስላም እታ ከተማ ዳግማይ ውጥረት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን'ዩ። ኣብታ ከተማ ዝርከባ መሳጊድ ካብ መጀመርታ ወርሒ ምያዝያ ጀሚረን ተዓጽየን ኣለዋ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብ7 ምያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከቡ ኣስላም "ተሃሪሞም" ንብረት መስጊድ "ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተሰባበረ" ገሊጹ።
ማሕበረሰብ ኣስላም እታ ከተማ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ህንጸት መስጊድን ሃይማኖታዊ ኣከዳድና ደቀንስትዮ ኣስላም ተምሃሮን ኣብ ክትዓት ተሸሚሙ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ነታ ከተማ ቅድስቲ ከተማ ኢልካ ምጽዋዕ ኣብ ነበርቲ ኣስላም ዝዀነ ቂም ወይ ጐንጺ የስዕብ ድዩ ዝብል ሕቶ ቀሪቡ።
እቶም ዋና ጸሓፊ፡ "ምስ ኣኽሱም ብሰላምን ብፍቕርን ዝነብሩ ኣሕዋት እዮም። ኣነ ብውልቀይ ዝተፈላለየ ሓሳብ ክህልዎም እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ክብሉ መሊሶም።
ኣኽሱም "ቅድስንኣ፡ ዕብየታ፡ ጥንታውነታን ቅርሳውነታን" ብምእማን፡ ሰዓብቲ ክልቲአን ሃይማኖታት ማሕበራዊ ዝምድናታት ከም ዘለዎምን ብምጥቃስ "ቅድስቲ ስለ ዝዀነት ፍሉይ ደገፍ ክገብሩላ እዮም እምበር፣ ዝቃወምዎ ነገር ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት የብለይን፤ እንተሃልዩ ግን ምስ ማሕበረሰብ ኣስላም ምዝርራብ ይከኣል'ዩ" ክብሉ ኣረዲኦም።
ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም፡ ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ ክፍለ ዘመን፡ ርእሰ ከተማ ስርወ መንግስቲ ኰይና፡ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ጽዮን ዝርከበላ እያ።
ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን - ዘመነ ንጉስ ኢዛና - ዝተመስረተት ምዃና ዝነግረላ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ጽዮን፡ ታቦት ሓዲስ ኪዳን ዝርከበላ ምዃና ይእመን።
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ልዕሊ 1700 ዓመት ዕድመ ከምዘለዎም ዝንገረሎም ሓወልቲታት ኣኽሱም እውን ይርከቡ።
እዞም ሓወልቲ፡ ካብቶም ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ትምህርቲ፡ ሳይንሳዊን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ዘመዝገበቶም ቅርስታት እዮም።
ሰብ-ሰርሖ ኣርኪዮሎጂ ስፍራ ኣኽሱም እውን ኣብዚ መዝገብ ሰፊሩ'ሎ። እዚ ቦታ፡ ዓቕሚ ፈጠራ ደቂ ሰባት ዘንጸባርቕን ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይንገር።
ጥንታዊት ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ዝዀነት ኣኽሱም፡ ብተመራመርቲ ከም ርእሰ ከተማ መንግስትነት፣ ሃይማኖታዊ ማእከል፣ ከምኡ'ውን ኣብ ጥንታዊ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝመስረተት ትቝጸር።
ቅዱስ ሲኖዶስ ትግራይ ኣኽሱም ቅድስቲ ከተማ ኢሉ ኣብ ርእሲ ምስያሙ፡ ንሃጸይ ዮውሃንስ መዓርግ ናይ ክብሪ ሰማእትነት ክወሃቦ ከም ዝወሰነ እቶም ዋና ጸሓፊ ገሊጾም።
ሃጸይ ዮውሃንስ "ንሓድነት ሃገር"ን "ኣብያተ ክርስትያናት ብምህናጽ"ን ንሃገርና ዓቢይ ኣገልግሎት ከም ዝገበረ ዝገለጹ ውቶም ዋና ጸሓፊ፡ "ሰማዕት ኰይኑ ስለ ዝሞተ ቤተ ክርስትያን ክትዝክሮም ይግባእ፡" ኢሎም።
"ንሃገርን ቤተ ክርስትያንን ዝገበርዎ ኣገልግሎት ዓቢይ እዩ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዘይምዝካር" ንፍጊ ምዃኑ ነቲ ውሳነ ዝመልኪቶም ኣብሪሆም።
ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ብጠቕላላ ዘሕለፎም ውሳነታት 12 ኰይኖም፡ ኣብ ገዳማት እየሩሳሌም ዘገልግሉ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ መነኮሳት ጉዳይ እውን ሓደ ካብቶም ዝተላዕሉ እዩ። "እዞም መነኮሳት ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ንሽዱሽተ ዓመት ካብ ገዛኦም፡ ደሞዞምን ቅዱስ ኣገልግሎቶምን ተኣጊዶም ኣለዉ፡" ብምባል፡ ብጹእ ኣቡነ ኣረጋዊ፡ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ነዚ መፍትሒ ክትገብረሉ ተማሕጺኖም።