ኣሜሪካ፡ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘኸተሎ ዘይምርድዳእ ህይወት ሓደ ሰብ ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, MICHIGAN STATE POLICE
ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚቺጋን ምስ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተታሓሒዙ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንሓደ ሰብኣይ ብበሊሕ ነገር ወጊኡ ክሃድም ዝፈተነ ውልቀሰብ ብፖሊስ ተቐቲሉ።
እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ ሓደ መደበር ሸቐጣት ከምዝተፈጥረ ፖሊስ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሼን ሩዊስ ዝተባህለ ወዲ 43 ዓመት ውልቀሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበረ ናብቲ መደበር ሸቐጣት ብምእታዉ ሓደ ወዲ 77 ዓመት ወላዲ መሸፈኒ ክጥቀም ይዛረብዎ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ እናሓየለ ብምኻዱ ድማ ሼን ነቶም ሽማግለ ብበሊሕ ነገር ወጊእዎም ክሃድም ከም ዝፈተነ ፖሊስ ሓቢሩ።
ፖሊስ ነታ ሩዊስ ዝዝውራ መኪና ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ተግባር ካብ ዝፈጸመሉ ቦታ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ከባቢ ምስበጽሐ ድማ ሓንቲ ኣባል ፖሊስ ደው ንክብል ትእዝዞ።
ሽዑ ንሱ ካብ መኪንኡ ብምውራድ ናብታ ኣባል ፖሊስ ብሓይልን ብፍጥነትን ስለዝተጸግዓ ተኲሳ ከም ዝወቕዓቶ ተገሊጹ።
ፖሊስ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ቪድዩ ዘርጊሑ'ሎ።
ሼር ሩዊስ ግን ናብ ሆስፒታል እንተተወሰደ'ኳ ህይወቱ ግን ምትራፍ ኣይተኽኣለን። ዕጥቂ ሒዙ ከም ዝነበረ'ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቶም ብበሊሕ ነገር ዝተወግኡ ወዲ 77 ዓመት ወላዲ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ብምህላዉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከቡ ተባሂሉ።
ኣብ ኣሜሪካ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘጋጠመ ቅትለት እዚ ፈለማይ ኣይኮነን።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሓደ ሓላዊ መደብር ሸቐጣት ንሓደ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክኣትው ዝፈተነ ዓሚል ብጥይት ወቒዑ ቀቲልዎ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







